ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - ካልኣይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ

ዝኸበርካ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ፡ ነዚ ስርዓትዚ ንምብዳህ ንዲሞክራስን ፍትሕን ተሓንጊጡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ተሰሊፉ ዝርከብ ፡ ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ድኽመታት ይራኣዮ ምህላዉ ብኩሉ ሸነኻት ይዝረብ ኣሎ ነዚ ኸመይ ትግምግሞ ?

01

ኣቦወንበር ሰልፊ፡

ደምበታት ፍትሒ ክባሃል እንከሎ ብናተይ ገምጋም፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቃልሲ ዝነበረን ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ሃገሩ፡ ዘይነዓቕ ተራ ዝተጻወተን ብድሕሪ ነጻ ኤርትራ ኣብ ባይቱኡ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ከይካይድ ዝተሓረመ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ኩለን ዓለማትን ጎረባብቲ ሃገራትን ብምንቅስቓስ ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝጨደረን፡ ዝተዋደቐን ገና እውን ከይተሓለለ ዝዋደቕ ዘሎ እዩ፡ እዚ ድማ ንመላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢዝውክል ገምጋመይ ኮይኑ እዚ ደምበታት ፍትሒዚ ኣብ ንቅሉኡ ብውሑድ ዓቕምን ሓይልን ደኣ ይኹን እምበር በቲ ኣነቓቕሉኡን ኣመጻጻኣ ህዝባዊ ግንባርን ዝነበሮ ተመክሮ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሕቶታት ህዝቢ ክምልስን ምስ ጉረባብቱ ተኸባቢሩ ብሰላም ክነብርን ከምዘይኽእል ብኣግኡ ተገንዘበ’ዩ ናብ መኣዲ ቃልሲ ወፊሩ ድማ ይብል።

ካብ መንቀሊኡ ድማ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ እዘን ደምበታት ፍትሒ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ሓጎስን ተጠዓዒምሉ ዝነበረ ከባብያዊ ኩነታትን ብምዝማዝ፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምድኻም ብሃገራዊ ክድዓትን ጸረ ነጻነትን ዝገልጸሉ ህሞት ብምንባሩ፡ እቲ ቃልሲ ብዝያዳ ክተሓላለኽን ክኸብድን ምግባሩ ዝሰሓት ኣይኮነን።ምስቲ ኩሉ ዝተሓላለኸ ውድዕነት ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ በዳሂ ዝነበረ ህሞት ብምጽዋር ብክንድ’ቲ ኩነታት ዘፍቕዶን ዓቕምታቱን ነቲ ዝንበረ ብዶሆታት ተጻዊሩ ነቲ ቃልሲ ኣብዚ ከብጾሖን ንመንነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕላዕን ንህዝቢ ንምንቓሕን ዝተጻወቶ ተራ ቀሊል ብዘይምንባሩ ክምጎስ ዝግብኦ’ኳ እንተኾነ፡ ባዕላዊ ድክመታት ከም ዝነበሮ ግን ክካሓድ ኣይግባእን። ሓደን ካብቲ ቀንዲ ድኽመታቱን ድማ ዝብሎ ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዕላማን ጽላልን ተጠሚሩ ክቓለስ ዘይምብቕዑ’ዩ።

ከም እምነትይ ኣብዛሓ ውድባት ኣብ ቃልሲ ኮነ ኣብ ሃገር ኣገዳስነቱ ልዑል እዃ እንተኾነ፡ እዘን ኣብዛሓ ውድባት ብተናጸል ቃልሲ ምክያደን ፍጹም ፋይዳ ከም ዘይብሉን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምዃኑን ብምግንዛብ፡ መላእ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ጽላል ዘይ-ምጥርናፍ እቲ ውጺኢት ቃልሲ ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝዕዘቦ ዘሎ ዱኹም ኮይኑ ዝረኤ ዘሎ፡ በዚ ድማ ሓድነት ናይዘን ደምበታት ተቓውሞ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ብኣረኣእያ እናተጨበጠ መጺኡ።

ስለዝኾነ ድማ’ዩ ነቲ ናይ ሓባር ቃልሲ ከሳልጥ ይኽእል እዩ ዝበልናዮ ሓይሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ወጺዩ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ንክሰብር ከይተሓለልና ንጽዕት ዘለና ፡በዚ ድማ ተስፋ ኣለኒ ኣብ ሓጺር እዋን እዚ ዝሰፍሓ ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ኣብ ንቡር ናይ ቃልሲ መስመር ተመሊሱ ኣድማዒ ቃልሲ ንከካይድን ካብቶም ዝራኣዩ ዘለዉ ድኽመታት ብዝቐለጠፈ ንክወጽእ እቲ ተጀሚሩ ደሓን ኣንፈት ዝርከብ ምህላዉን ናይተን ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾና ዘተ መድረኽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጹቡቕ ተስፋታት ዝህብ ኩነታት ተረኺቡ ምህላዉ ንኽውዳእ ሰናይ ድልየተይ ኮይኑ በዚ እቲ ሕቶ ሓድነት ናይ ደምበ ተቓውሞ ገለ ክፋሉ ክምለስ’ን ካብ ድኽመታት ክውጽእን ዝብል እምንቶ ኣለኒ ፡፡

We use cookies to improve our website. More details…