ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - ሳልሳይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ

ዝኸበርካ ኣቦ ወንበር ሰልፊ፡ ካብዚ ናይ ደምበ ተቓውሞ ኩነታት ብምብጋስ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከመይ ትግምግሞ?

01

ኣቦወንበር ሰልፊ፡

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ እኩብ ድምር ውጺኢት ዓወታት ናይ ዓስተ ሓደ ዓመታት ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ናብዚ ኣብ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ዝተጋበኤ ዕዉት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብጺሑና ይርከብ፡ እዚ ካብዘይ ምህላው ናብ ምህላው ዘሰጋገረና መንቀሊ ራእያን ዕላማን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ክብገስ እንከሎ ንጹር ዝኾነ ፓለቲካዊ መደብ ዕዮ ሒዙ ናብቶም ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ክነሶም ብጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ሃለዋቶም ተነፊጉ መንነቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣተወ ብሄረ ጀበርቲ ምስ ቀረበ ተቐባልነት ረኺቡ ንቃልሲ ከም ምዝወፈረን ዝዝከር ሙኳኑን እቲ ተሪር ከም ዓረ ዝኾነ ዕላማ ህልውነት ህዝቢ ንምርጋጽን ሃገራዊ ሕቶ ንምምላስ ንዝነቐለ ቃልሲ ዝመስረቱ ኩሎም በዚ ኣጋጣሚ ከመስግኖም እንዳፈተኹ ብፍላይ ድማ ንሓው ኣወልኼር መሓመድ ኢማም በዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪን ምስጋናን የቕርበሉ፡

ኣብ መስርሕ ሕሉፍ ዓመታት ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፖለቲካዊ ትሕዝቱኡ ንምዕባይን ንምርጋሕን ከይተሓለለ ምስርሑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዕዙዝ ኣብርክቶ ክገብር ምጽንሑን፡ ሰልፊ ንገባቲ ስርዓት ኣብ ምግጣምን ኣብ መሰላት ህዝብታት ዘውረዶም ኩሉ ዓይነት በደላትን ግህሰታትን ኣብ ምቅላዕ ዘካየዶም ቃልሲ ኣወንታዊ ነይሮም ክባሃል ይካኣል፡ ኣብ ዝምድናታት ምስ መቓልስቱ ዝኾና ፖለቲካውያን ሓይልታት እውን ከምቲ ትሕዝቶ ፖለቲኪኡ ጡዑይን ቀጻልቱ ዘውሓሰን ዝምድናታት ኣብ ምምስራት ዓቢ ተራ ኔይርዎ ክባሃል ይከኣል’ዩ፡ ጎኑ ጎኑ ድማ ህዝብታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ጀበርቲ ኣብ ኣብ ጎኒ ሰልፊ ንክዓሉን ንክውደቡን ክደናገጹን ንዘካየዶም ቃልሲ እጅጉኡ ሰብሲቡ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ውጺኢታዊ ድኾነ ስራሕ ምስርሑን ንሕቶ ብሄር ብዝኾነ ወገን ዘይዕደል ምስ ከባቢን ኩነታት ዝጸብብን ዝገፍሕን ኣምር ምዃኑ ብ ፍላይ ከኣ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን ሕቶ ብሄርነት ሕቶ መሰል ሙዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክኣምነሉ ንምድረሉ ኣለዎ ብማለት ኣብ ንጥፈታት ቃልሱ ብመስርሕ ንኹሉ ኣብ ምብጻሕን ኣብ ምርዳእን ዘካየዶም ዘይሕለሉ ቃልስታት ዓቢ ውጺኢት ምራኣዩን፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ክንዲዚ ቁጽሪ ብሄራት ኣለዋ ኢልካ ምውሳን ዘይፍትሓዊ ምዃኑን ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ኣካውና ሕብረተሰብና ፍትሕን ምትእምማንን ንክህሉ ንመላኣ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም (ኣጸዋውዓ) ሕብረተሰባት ኤርትራን ጉዳይ ብሄርነትን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላት ምሕላው፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ድማ “ዝኾነ ብሄር በቲ ንሱ ዝደልዮ ስም ክጽዋዕ መሰል ክህልዎም፡ ግደታዊ ምጽንባር ምስካለኦት ብሄራት ሰልፊ ናህድ ኤርትራ ከምዘይቅበሎ፡ ብሄረ ጀበርቲ ርእሱ ዝኻኣለ ብሄር ምኻኑ ጹኑዕ እምነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሙኳኑ ብምእሻር፡ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ጉባኤተኛ ክጸድቕ ምግባሩ ዝላ ንቕድሚት ናይ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ጀበርትን ምንባሩ እየ ዝግምግም። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ከነካይዶ ዝጸንሕና ቃልሲ ኣንጻር ግበታዊ ስርዓት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ቃልሲ ኣድማዒ ስራሓት ክንሰርሕ ምጽናሕ ዘርኢ ውጺኢት ምንባሩ ዝበርሃለይ፡ በዚ ዓወታት ተዛኒና ግን ክንድቅስ ኣለና ማለተይ ዘይኮነ ብዝተዓጻጸፈ ቃልስና ኣዛይድና ኣብ ዝሓጸረ ኣዋን ነቶም ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ዕዮታት ገዛ ወዲእና ቃልስና ብዓወት ከም ኣንዛዝሞ’ዩ እቲ እምነተይ።

We use cookies to improve our website. More details…