ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 7ይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ 

ብድሕዚ ዝሃብካና መብሪሂ ኩቡር ሓው ዓብዱራሕማን፡ እቲ ኣብ ምድላው ዝነበረ ብወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ/ም ዝተጋበኤ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነዞም ውልቀ ሰባት ከምቲ ዝገለጽካዮ ኩሉ ፈተነታት ንምምላሶምን

እንታይ  ዕድል ናይ ምስታፍ ተዋሂዎም ዶ? ብወገኖም እንታይ ግብረ መልሲ ኔሩ? ብወገንካ ኣብዚ ጉባኤኸ ጉዳይ ናይቶም ውልቀ ሰባት ብኽመይ ተራእዩ፡ 3ይ ጉባኤ ሰልፊኸ እንታይ መዕለቢ ገይሩሉ?

01

ኣቦ ወንበር ሰልፊ፡ ብቐዳምነት እዚ ጉዳይዚ ልዕሊ እቲ ትሕዝቱኡ ንሰልፊ ኣብዚ ጉዳይዚ ክጽመድ ምግባሩ ኣብቲ ነቲ ጉባኤ ዘሰናድእ ዝነብረ ሽማግለ እውን ገለ ኣብ ናይ ግዜ ጽልዋታት ጌሩሉ እኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪቲ እቲ ውሳኔ ናይ ማእከላይ መሪሕነት ግን እቲ ኣሰናዳኢት ኣብ ጹዑቕ ናይ ምድላው ጉባኤ ተጸሚዳ ለይትን ማዓልትን ብምስራሕ ነቲ ጉባኤ ኣብ ማዓልቱ ከምዝዳሎ ምግባሩ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ጉዳይ ናይዞም ዓንቀፍቲ እውን ከም ሓደ ኣጀንዳ ብምሓዛ ጻዊዒት ምግባሩን፡ እቲ ጉባኤ ከም ዝላዓለ ስልጣን ሰልፊ መጠን ማዓልቱን ቦቱኡን ድሕሪ ምውሳን እውን ተወሳኺ ንጉዳዮም ምስ ኣባላት ሰልፊ ንምዝታይ ኣብ ጉባኤ ንክርከቡን ክዳለዉን ተኸታተልቲ መጸዋዕታታት ሊኢኹሎም እንተኾነ ናብቲ ዝተባህለ ጉባኤ እውን ኣይተጸንበሩን፡

እቲ ካብ ኩሉ ጨናፍር ሰልፍ ኣባላትን ተዓዘብትን ዝኾኑ ጉባኤተኛ ግን ኣብ ማዓልቱ ኣብ ቦታ ጉባኤ ተረኺቡ ቅድሚ ኩሉ ንጉዳዮም ክረኤ ኣለዎ ምባል ብቐዳምነት ዝተገብረሎም መጸዋዕታ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ጉዳይ ብዕምቆት ክራኣይ ጀሚሩ እቲ ዝቐረበ ጭብጥታት ናይ ጥሕሰት ሕጎም እኹልን ሕሉፍን እዩ ኔይሩ እንተኾነ ሕጂ እውን ሰልፊ ዳግማይ ዕድል ክዋሃቦ ተባሂሉ ንዝቐረበ ርእቶ ጉባኤተኛ ብሙሉ ድምጺ ብምቕባል ድሕሪ 3ይ ጉባኤ እውን ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሓ ዕድል ንምምላስ ናብ ልቦም ዝብል ውሳኔ ሂቡ፡

ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰልፊ ዝጠልቦም ንብረትን ጸብጻብን ህዝቢ ናብ ቦቱኡ ክመልሱ ብምባልን ፡ነዚ ምስዘየማሉኡ ድማ ካብ ኣባልነት ሰልፊ ክውገዱን እዩ ዝብል ኔይሩ፡ እዚ ምስ ዘይማሉኡ ድማ ሰልፊ ንብረቱን ጸብጻቡን ብሕጋዊ መንገዲ ክመልስ ሙዃኑ ዝብል መዕለቢ እዩ ጌሩ 3ይ ጉባኤ።እዚ ወላ እኳ እቲ ተረኺቡ ዝተባህለ ተረኺቦ ናይዞም ዓንቀፍቲ እዚ መንቀሊኡ ዘይምክኒያታውን ቀይናን ኣካይዳዚ ምንባሩ ዝተረጋገጸ ኣዕናዊ ተግባር ጥሙሕ ውልቃውን ጉጅለኣውን ረብሓ ንምርርዋይ ንናይ ሰልፍን ክብርታትን ንወግዕታት ልምድታትን ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝደምሰሰ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኣካይዳ ከምዝተኸደን፡ ነብሶም ልዕሊ ቐይድን ሕግን ምቕማጦምን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ መሳሪሒ ናይ ጸላኢ ኮይኖም ምህላዎምን የረጋግጽ እምበር፡ እቲ ዘሕዝነኒ ሰልፊ ኣዚ ኩሉ ኦኡጉስ ሱጉምቲ እዳወሰደ እንከሎ እቶም ዓንቀፍቲ ቃልሲ ዓገብ ኣብ ዝተባሃልሉ ድማ ብተደጋጋሚ ብኻለኦት ልሳን ጌይሮም ምንጻጎም ጥራይ ዘያኣክል ነቲ ዝተዋህበ ዕድል ሽምግልና ከም መትከል እግሮምን ንግዜ መዕደግን ንካልእ ሜላ ውድባኤ መጠቀሚ ምግባሮም ብሩህ ምንባሩን፡

ኣብ ርእሲ ጉባኤ ሰልፊ እውን ብስመ ሓድነት ሰልፊ ምፍንጫልን ዝብሉ ምፍርራሓት ምግባሩ ኣነጺሩ ዝተራእየ ጉዳይ’ዩ፡ እንተኾነ 3ይ ጉባኤ ድማ ነዚ ጉዳይዚ ብልቦና ብምራኣይን ንለበዋታት ፈተወቲ ንሓደነት ሰልፍን ክብል ተጻዊሩ ዝሃቦ ውሳኔ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ዝተሰነደ ሙኩር ኣተሓሕዛ ምንባሩ ከየሞገስክዎ ክሓላፍ ኣይደልን።

ብሓፈሻ ክገልጾ እንከለኹ ግን እቲ ጉባኤ ሰልፊ ብዓወት ተዛዚሙ እዃ እንተበልና፡ ብወገኖም ግን እቶም ዓንቀፍቲ ቃልሲ ኣብ ውሻጠ ተሓቢእካ ካብ ምንባሕ ሓላሊፎም ሕጂ እውን ነቲ ብመሰረታት መሪሕነታትን ኣብ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንዝተዋህቦም ዕድላት ክጥቀሙሉ ኣይተራእዩን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ጌና ኣዕናዊ ተግባራቶም ተሓጺሮም ክህላዎም’ዩ ዝርዳኣኒ።

We use cookies to improve our website. More details…