ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 8ይ ክፋል

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ 

ዝኸበርካ ሓው ዓብዱራሕማን፡ ድሕሪዚ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብውሳኔታቱ ዝተዋህቦም ዕድልን ዘይምጥቃሞም ከይኣክል እቶም ዓንቀፍቲ ቃልሲ ዋዕላ ብዝብል ስም ኣብ መዲና ምክያዶም እዚ ከመይ ትሪኦ? ንምንታይከ ዝዓለመ እዩ?

01 

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ ብቐዳምነት ነዚ ሕቶዚ ቅድሚ ምምላሰይ ኩሉ ሰብ ክበርሃሉ ዘልዎ ጉዳይ እንተሎ ፡ዋዕላ ዝብል ቃልን ትርጉሙን ምብራህ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ኣብቲ ዋዕላ ዝብል ዕላማ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምጽንባርን ኣብቲ በቲ ዋዕላ እንታይ ውጺኢት ኢኻ እትጽበ ዝብልን ነዞም ነዚ ዘዳለዎ ናይ ዘመናውያን ንፖለቲካ ሓይሊ ክንመርሕ ባሃልቲ ምርዳእ ብዙሕ ተፈቲኑ ግን ብዕላማ ከፍርስ ዝበለ ኣይርዶኦን እዩ ጥራይ እየ ዝብል።

ናብ እታ ቀዳመይቲ ዋዕላ እትብል ቃል መሰረታዊ ትርጉማን ወይ ንምንታይ ንጥቀመሉ ንዝብልን ዘይብሩህ ኣቀማምጣ ዘለዋ ክምለስ እሞ እዞም ኣዕነውቲ ቃልሲ ኣብቲ ዝራኣክዎ ዋዕላ ሙልተቓ ዝተጻሕፈ ተመሊሰ ክብረህላካ ፡ ኣብቲ ፋንፍሊት ከነሳናድእ ባሃልቲ ወይ እውን ኣብቲ ናብ ሰልፊ ዘቕረብዎ መዘክር ብኣርእስታ ጥራይ ዝፈልጥዋ ብወገነይ ክትርጉማ እንከለኹ፡ ዋዕላ ክባሃል እንከሎ ንክልተ ወይ ካቡኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ምትእኽኻባት ቅድሚ ሕጂ ዘይተጸናበሩ ኣብ ሓደ ዘይጸንሑ ኣካላት ንዘለዎም ዘይራኸብ ስነ-ሓሳብ ኣብ ሓደ ወይ ናብ ዝጸበበ ፍልልይ ንምምጻእ ዝግበር ናይ ምትእኽኻብን ምዝታይን መድረኽ ምዃኑን ብዑዉት ውጺኢቱ ድማ ሓድሽ ምትእኽኻብ ንምፍጣር ዝግበር እዩ ናዓይ ዝርዳኣኒ፡ ስለዝኾነ ነቲ ተመስሪቱ ዝሶጎመ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ስሙን ዕላሙኡን ኣነጺሩ ኣብ ቃልሲ መድረኽ ዝዋደቕ ዘሎ ንድሕሪት ናብ ዋዕላ መሊስካ እንታይ ክትምስርት ኢኻ ውጺኢት ክትጽበየሉ?ብሕጽር ዝበለ ትርጉም ዋዕላ ብዘይ ብሩህ፡ ኣብቲ ዝተዘርገሓ ጹሑፍ ከምዘይተገለጸ ብምስትብሃል ዳግማይ ርእቶ ዘድልዮ ጉዳይ’ዩ እዩ ኔይሩ ነዚ ድማ ካብቲ ዝተሓሰበሉ ማዓልቲ ኣትሒዙ ብኣናን ብካለኦት ፈተውትን ሓለይትን ክሕበሮም ዝጸንሓ ጉዳይ እዩ።

ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ድማ እታ ካላኣይቲ ድማ ብዛዕባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ናብ ህዝቡ ከነጽር ኣይካኣለን እትብል እያ። ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣብ ውሽጢዚ 10 ዓመታት ብፖለቲካዊ ትሕዝቶታቱ ሊዒሉ እምበር ትሒቱ ኣይተራእየን፡ እዚ ክብል እንከለኹ ኣነ ከምዝፈልጦ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ ፡ቀዳማይ ጉባኤኡ ካላኣይ ጉባኤኡ ኣብ ዘቕረቦም ፖለቲካዊ ጸብጻባት (ተዓዘብ) ክሳብ ክንደይ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ዝሰረጸን ጸላኢ ነዚ ገስጋሲ ቃልሲ ንምዕጻፉ ዘካይዶ ሃቀነ ሪኢኻ ኣበየናይ ደረጃ ምህላዉ ኣይጠፍኣካን፡ እዚ ዘይኮነ ኣተሓሳስባዚ ቅቡል ኣይኹን እምበር ዋላ ከምቲ ዝሓሰብዎ እንተኾነ ኸ? ብዋዕላ ዲዩ ድፍታሕ ኔይሩ? ዋዕላ መካኒዚም እምበር ዕላማ ጌርካ ምቕማጥ ካብ ምንታይ ሪዲኢት እዩ ተወሲዱ? በዚ ኾነ በቲ ሰልፊ ጸብለልትነት ከምዝነበሮን ጨናፍራቱ ድማ ኣብዚ እዋን ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ንማህደር ታሪኽ ሰልፉ ዝሕደግ ጥራይ እዩ።

እዚ ማለት ድማ እቲ ሒዝዎ ዝነቐለ ፖለቲካዊ ዕላማ ብሓፈሻ እንዳስፈሖን እንዳዓበየን ይኸይድ ምንባሩ’ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘርእየካ፡ ክንድምንታይ ውጺኢት ናይዚ ዝሓለፈ ጉባኤታት ሳልሳይ ጉባኤ ኣዕዊቱ ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ ደምዳሚ ኣዋጁ ዝገለጾ ሰልፊ ዕብየቱ ኣበየናይ ደረጃ ከምዘሎ ምሕታት እውን ዘድልይ ኣይመስለንን። እዚ ማለት ግን ኣብ መጀመርያ ጉዕዙኡ ኮነ ክሳብ ዝቐረባ እዋናት ናይ ምምሕዳራዊ ጉድለታት ሕጊ ናይ ዘይ-ምኽባር ተርእዮታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን፡ ነዚ እውን ዲሞክራስያዊ መሰል ዘይጣሓሰ ከይሳዕረረ እንከሎ ንሙቕጻዩ ብዑቱብ ክሰርሕ ምጽንሑ ርእየዮ፡ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ኣገናዕ ዘብል ንኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘስተምህር ውሳኔታት ኣሕሊፉ ነቲ ጉዳያት ዓጽይዎ’የ ዝብል ፡ ስለዚ ነዚ ጉዕዞ ንምድንፋዑ ዝሓሰበ ኣካል እቲ ብዘይ ትርጉሙ ዝተቐመጠ ዋዕላ ዲዩ ዝህቅን ወይስ ካለኦት ሃነጽቲ ሰሚናራትን ናይ ዘተ መድረኻትን? 

ምልስ ኢለ ነቲ ብቑንጣሮ ባእታታት ዝተኻየደ ዋዕላ ክግምግሞ እንከለኹ፡ እቲ ዋዕላን ኩነታት ሰልፍን ከምዚ ዝገለጽኩልካ ኣንዳ ሃለወ ግን እቶም ሓምፈሽቲ ቃልሲ ነዚ ኩኑን ተግባር ምግባሮም ተዓዚበ ፡እቲ ውጺኢት ሒዞሞ ዝወጹ ግን ከምቲ ነቂልናሉ ዝበለዎ ባዕላዊ ትርጉም ሂቦም ዝተበገስዎ ዋዕላ ዘይኮነስ ብቑንጣሮ እሞ ድማ ንምንታይ ከምዝተኣኻኸቡ ከይተረዱኡ ዝተሰነዐ ጸብጻባት ውልቀ ሰባት ብምስማዕ ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ዘካይዱ ብቑራቦ ውልቀ ሰባት መሪሕነት ብምምዛዝ ንምስሊ ጥርኑፍ ሓይሊ (ውደባ) ሒዞም እዮም ወጺዮም ኣብዚ ዝልዓል ሕቶ እውን ኣሎ ንሱ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ርእሲ ኩናት ኮይኑ ዝመርሖም ዝነበረ ንሸኽ ኣቡ እድሪስ ግዳይ ከምዝገብርዎን ኣብዚ ቀይናን መንገዲ ተጋግዮም ገምዘጋገይዎን መጋብርቲ ከምዝገብርዎ እዩ ዝርዳኣኒ ፡እንምታይ ንዑኡ ንቕድሚት ጌሮም ዝከድዎ ጉዳይ ፡ነቶም ብታሪኮም ኣንጻር ውድብ ምንቅስቓስን ጉስጉሳትን ዘካይዱ ዝነብሩ ባኣታታት ንቕድሚት ብምምጻእ ንዑኡ ምግታኦም ንኩሉ ክጠቅሶ ዝጸናሕኩን በዚ ጉዳይዝን ዘይቕንዕናዊ ኣካይዳ ምንባሩ እየ ክገልጾ ዝኽእል ፡እዚ ድማ ፖለቲካዊ ውጺኢት ዝነበሪ ዘይኮነስ ፡ውልቃዊ ጥሙሕን ህርፋን ስልጣን ንምርዋይን ዝተገብረ ምንባሩ ቡኡ እውን ዓጊቦም ከምዝወጹ ዝርዳኣኒ።

ብሓፈሻ ኣነ ነዚ ክግምግሞ እንከለኹ እቶም ኣዕነውቲ ጉጅለ ካብ መንቀሊኦም ዘይሕጋውን ኣዕናውን ዝኾነ ሕቶ ምቕራቦም ከይኣክል፡ ሰልፊ ካብ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ንጥፈታቱ ደው ክብልን ክዕንቀፍን ብወግዒ ምጽሓፎም ዝተገብረ ጥሕሰት ብዘይ ሰንሰለታውን ወግዓዊ ፍቃድ ኣብ ዝተፈላላዩ ሃገራት ብምንቅስቃስ ሰልፊ ተመቒሉ ኣንዳበልካ ምጉስጓስን፡ ሰልፊ ናይ ቃልስን ፋይናንሳውን ንጥፈታት ክዕጾ ምእዋጅን፡ ስም መሪሕነታት ሰልፊ ብምጽላምን ገበኖም ንምሕባእ ከምዝሰርሕሉ፡ ንመሰረታት ወሪዶም ኩሉ ገበናቶም ንኻልእ ንምስካም ዘይስርዒታውን ዘይሕጋዊ ኣኼባታት ምስ ኣባላትን ተደናገጽትን ሰልፊ ብምክያድ፣ ንስም ሰልፊ ምጽላምን ንቓልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ሙቁንጻብን፡ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ሰልፊ ንምስባር ውድባት ከጋግዩ ብተግባር ምፍታኖምን፡ ተደጋገምቲ ምፍርራሓት ፕሮፖጋንዳ ብምክያድ ንሰልፊ undermine ብተግባር ምግባሮም፡ ካብዚ ዘይንእስ ድማ ነቲ ዝተመክሩሉ ዋዕላ ምትግባሮም ርሕቀት ዝኸድዎ ዘሪኢ ኣዕናዊ ተግባራ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ ካቡኡ መሪሕነት ሒዞም ምውጾኦም ብመልክዕ ውድብ ተወዲቦም እቲ ጉዳይ ኸግፍሕዎ ንጹር ዕላማ ከምዘለዎም ካብዚ ብዝያዳ ንምርሓቁ ይፍትኑ ምህላዎም’የ ዘሪኢ። ይቕጽል

Top
We use cookies to improve our website. More details…