ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 10ይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ 

ኩቡር ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ፣ ግዜኻ ወፊኻ ምሳና ምጽናሕካ እንዳመስገና

ሕቶና ኣብዚ ወዲእና ኣሎና፣ በዚ ኣጋጣሚዚ ከተማሓላልፎ እትደሊ ለበዋን መልእኽትን እንተሎ?

01

 ኣብ መወዳእታ ድማ ብወገነይ ኑኹሉ ኣባልን ተደናገጽን ሰልፊን ህዝቢ ኤርትራትን፡ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ከብርሃሉ ዝደሊ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ዕላማ ማለት ሃገራዊ፡ ሃይማኖታውን፡ ብሄራውን ዕላማ ፈንተት ከምዘይብልን ኣብ ጸቢብነትን ጥሩፍነት ክውዕል ዘይክእል ውድብ ሙኳኑ ከንጽር እፈቱ ከሙኡውን፡ ንኹለን ሓይልታት ደምባታት ተቓውሞ ሓድነት ሓይሊ እዩ’ሞ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ንሃገራዊ ባይቱ ናብ ንቡር ቃልሱ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ኩሉ ካላኣውን ምምሕዳራውን ጉዳይት ንጎኒ ገዲፍና ንዝህብን ሃገርን ንድምሓን ክኸውን ቀዳማይ ዕላማና እንዳ ጸዋዕኩ፡ ነቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍን ብኻሎኦትን ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ኣግኣዝያን ዝብል ምንቅስቓሳት ንምግታእ ብኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ከምዘለና እውን የዘኻኽረኩም፡ ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝብዊ ምንቅስቓስት እውን ንኹሉ እቲ ጸረዚ ግበታዊ ስርዓት ዘካይዱዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብማሕበራትን ውልቀሰባትን ብፍላይ መናእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን የሞግስ፡

ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ኩለመዳይ ባርነት ብዕቱብነት ክዕዘብን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እውን ኩሉ ዓይነት ኩናነን ሱጉምትታት ክውሰድ መታን ምስኩልና ደለይቲ ለውጢ ብሓባር ክስትርሑ እንዳጸዋዕኩ ፡ ዘረባይ ይድምድም። 

የቐንየልና ዝኸበርካ ሓው ዓቡዱራሕማን ጣሃ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ዕለት 21 የካቲት 2017

We use cookies to improve our website. More details…