ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ምስ መሪሕነት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ርክብ ኣካይዱ፣

Eritrean Nahda Party

ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ምስ መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ርክብ ኣካይዱ፣


ኣብቲ ትማሊ ዕለት 15 ሰነ 2017 ዓ/ም ዝተካየዶ ርክብ፡ ንህሉዉ ኩነታት ቃልሲ ኤርትራ ድሕሪ ምድህሳስ ንዝምድናታት ክልቲኡ ሓይልታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝዘተይሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ምስቶም መንቀሊ ምኽኒያቶም ንሶም ጥራይ ዝፈልጥዎ ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምኹራይ፡ ዘይሕጋውን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳታት ኣብ ርእሲ ምኻድ፡ ኣብ ታሪኻት ቃልሲ ዘይተራእየ ብመሪሕነታት ዝተነድቀ ውጺኢት ዋዕላ ሒዞም ኣብ ዝወጹሉ ኣብ ሃገረ ሱዕዲ ዓረብ ከተማ መዲና ብቁንጣሮ ውልቀ ሰባት ኣብ ዝተጸወዐ ዋዕላ ኣባል መሪሕነቶም ዝኾነ ነስረዲን መሓመድ ዓሊ ምስታፉ፡ ውልቃዊ ድልየቱ ምዃኑን፡ ንውድብ ዘይውክል ምንባሩን ብሰፊሕ ድሕሪ ምብራህ ነቲ ዘይሸርዒያ ካብ ውድብ ዘፈንጸገ ኣካል ብስም ውድብና ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ወኪለ ኢሉ ምስታፉ ኣብ ክልቲኡ ሓይልታት ኣሉታዊ ነገራት ከስዕብ ምጽንሑን ብምግምጋም፡

እዚ ዓይነት ከይዲ ምስ እስትራተጂካዊ መሓዛ  ቃልስና ዝኾነ ሰልፊ፣ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምፍጻሙ ኣዝዩ ከምዘሕዘነናን፡ ስለዝኾነ ድማ ብስም ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ጌጋ ምንባሩን እቲ ውድብ ሕጅን ቅድምን ምስቲ ሕጋዊ ወገን ሰልፊ ኢዩ ዘሎ ብምባል ኣቦ ወንበር ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ሓው ኢብራሂም ሃሩን ገሊጹ።

ኣስዒቡ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንታሪኻዊ ምዝድናታት ህዝቢ ዓፋርን
ህዝቢ ጀበርትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገለጸሉ እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦም ታሪካዊ ምትእሳስር ዘለዎም ኣሕዋት ምዃኖም ብምንጻር ኣብዚ ነዞም ህዝብታትን ህዝቢ ኤርትራ ጸሚዱ ዘሎ ደምኛ ጸላኢ ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምካት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክልቲኡ ውድባት ብሓባር ኣብ ኩሉ መዳይ ተደጋጊፉ ክምክት ሙዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ዝተገበረ ርክብ፣ ሓርበኛ ኣቦ ቃልሲ ዝኾነ ሓው ኢስማዒል መሓመድን፣  ሓው ኢማም ኣቡበከር
ዝርከቦም ኣባላት መሪሕነታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ተረኺቦም ነይሮም።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
16 ሰነ 2017

Top
We use cookies to improve our website. More details…