ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ሱሩዕ ኣኬባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

Print

Eritrean Nahda Party

 

 

 ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ሱሩዕ ኣኬባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ብሓሙስ ዕለት 24 ሓምለ 2017 ዝጀመረ ሳልሳይ ሱሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቀዳም 29 ሓምለ 2017 ብዓወት ተዛዚሙ።

እዚ ነቲ ሓድነትና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርን ብዝብል ጭርሖ ዘሰላሰሎ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣኸቲሉ ዝጀመረ ሱሩዕ ኣኬባ፡ ኣብ ጽንኩር ዞባውን ሃገራውን ኩነት የሰላስሎ ብምህላዉን ህግደፍ ዝተፈላለዩ ስልትታት ብምጥቃም ህዝብና ኣብ ሃገሩ ከም ጓና ብምግላልን ንባዕዳውያን ከምድላዩም መሬትን ባሕርን ኤርትራ ብምድልዳልን ህዝብና ቅሳነት ሓሪምዎ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ሽግራት ኣዝኒቡሉን ዝወለዶም ደቁ ካብ ሑቕፉኡ መንዚዑ ብምውሳድ ወግሔ ጸብሔ ንከስተንትንን ክሓዝንን ክነብዕን ፈሪድዎ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ብምክያዱ ዝያዳ ሓላፍነት ክንስከም ዘገደደ ድርብ ጾር እዩ ነይሩ።በዚ ድማ ንህሉው ኩነታት ሃገር ፡ኣተሃላልዋ እቲ ግበታዊ ስርዓት ዞባዊ ኰነታትን ብዕምቆት ብምድህሳን ንደምበታት ተቓውሞን ንውሽጣዊ ኩነታት ሰልፍና ናይ መጻኢ ናይ ቃልሲ መደባቱን ነቲ ዝጽበዮም ሃገራዊን ዞባዊን ብድሆታት ብምግንዛብ’ዩ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ነቲ ኣኬባ ዝኣተዉ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ኣኬቡኡ ኣብዚ ዝሓለፉ 26 ዓመት ድሕሪ ምእዋጅ መሬታዊ ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክብሪ ስኢኑ፡ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላቱ ተነፊጉ፡ ኣብ ትሕቲ ዳግማይ መግዛእትን ባርነትን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝነብር ዘሎ ምዃኑ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተኸተሎ ግጉይ ስልቲን፡ ንምልካዊ ስልጣኑ ዘገልግል ዝደኰኖ ኣዕናዊ ምሕደራን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራዊ ዜጋታት ኣስዒብዎ ዘሎ መሰረታዊ ሽግራትን ፈጢርዎ ዘሎ ዓቕሊጽበትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሃገር ኣተኣታትይዎ ዘሎ ሰብኣውን ማተርያላውን ዕንወትን ብርሰትን፡ነታ ሃገር ናብ ሓደጋ ምብትታን ይመርሓ ምህላዉ አመልክቱ ብዕምቆት ዘትይሉ፡፡

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብዞባዊ ደረጃ'ውን እስትራቴጂካዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዞባና ከም ህዝብን ሃገርን ዝጸልወና ኩነታት ተኸሲቱሉ ዘሎ እዋን ከይዘንገዓ ዓቢ ቆላሕታ ከምዝሃበን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ብዘይ ወኸሳ ዊንታን ህዝቢ ብፍታውን ድልየትን እቲ ግበታዊ ስርዓት ጥራይ፡ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንህሉው ኩነታተን ስግኣተንን እቲ ስርዓት ድማ ንህላዊኡ ንመግዛእታዊ ቀጻሊኡን ዝጥዕሞም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወታደራዊ ቃፍላየተን ዝሰልኩ ተተኮስቲን ብረታትትን ተታኾስትን ብምጥጣሕ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ርጡብ መፍትሒ ዘይረኸበ ኩነታት ተውሳኽ ንሙዃንን እቲ ሕድሪ ሱዉኣቱ ዝተጠልመ ህዝብና ኣብ ተወሳኺ ከቢድ ስግኣት ኣእቲዎም ምህላዎምን፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ሃገራዊ ጸጋታት ንምግባት ምስቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ግበታዊ ስርዓት ዝሻረኹ ባእታታት ብዕምቆት ርእዩ።

ብተወሳኺ ኣኬባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደገኛ ክውንነትን ሳዕቤናቱን ድሕሪ ምምርማር ኣኬቡኡ ነዚ ንምብዳህን ለውጢ ንምቅልጣፍን ንምምጻእን ዝቃለሱ ዘለው ኩነታት ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝራኣየሉ፡ ኣብቶም ዝራእዩ ዘለዉ ብኩራት ብምድህሳስ መፍትሒታት ኣብ ምንዳይ ዘተኮረ እዩ ተኻይዱ፡ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ እውን እንተኾነ፡ ክንዮቲ ዝጸንሓ ምፍንጫላት ሓድሕድ ምግጫዋትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብቲ ቀንዲ ክዋፈረሉ ዝግባእ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ርሒቑ ካብ ጎረቤት ሃገር እናተበገሰ ዝሰርሕ ዘሎ ውድባት ሙዃኑን።

እንተኾነ ብዝሒ ውድባትና ንሒዝናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ፍልልያት ዘንጸባርቕ ዘይምዃኑን፡ ናይ ኣተኣላልያ ግርጭታት ድኽነትና ሙዃኑን፡ ኣብ ውድባት ጥቡቕን ጽቡቕን መንፈሳዊ ዝምድና ክህሉ፡ ነዊሕ ዝጠመተ ናይ ሓባር ስትራተጂን ናይ ሓባር ስራሓትን ክህልወን መታን ቀጻሊ ዘተን ርክባትን ብምግባር ኣብቲ ከሰማምዓና ዝኽእል ነጥብታት ሓቢርና ክንሰርሕን ከምዝግባእ ኣብ እቲ ንመብዛሕቱኡ መልክዕ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝሓቖፈ ብኸቢድ ርብርብ ዝተተኽለ ሃገራዊ ባይቶ ካብዚ እትይዎ ዘሎ ደውታ ኣመልኪቱ፡ ብሰንክ እቲ ካላኣዊን ምምሕዳራውን ፍልልያት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዕንክሊል ከምዝጸንሓን ዝብል ርእዩ ።

ኣብ ጉዳይ ሰደተኛታት እውን እዚ ግበታዊ ስርዓት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ብደላሎ ሰብ ክሳብ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብምብርባር ናብ ዕዳጋታት ምውራዱ ዘጋጥሞም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀጻሊ ምህላዉ ብዕምቖት ርእዩዎ። ንውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ስርሓቱን ብዕምቆት ብምዝታይ ከይዲ ድማ መደባቱ ንምዕዋት ጸብጻባት ኣብያተ ጽሕፈቱ ብምርኣይ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ዜናን ብዝላዓለ ደረጃ ኣብ ምስራሕ፡ ውዳቤ ንምሕያል ድሮ ዝተተኽሉን ገናውን ኣብ ዝተክሉ ዘለዉ ሓደስቲ ጨናፍር ኣቶኪሩ ዕላማ ሰልፊ ንምብጻሕ መደባቱ ብምስራዕ ከም ዝብገስን ንዝምድናታቱ ዝምልከት ምስኩሎም ደለይቲ ፍትሒን ብፍላይ ምስ ሰልፍና ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ራእያን ዘለዎም ኣብ ጉዳይና ንሕቶ ህዝብን ብሄራትን ቀዳምነት ዝሰርዑ ሓይልታት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕትን ማሕበራትን ኣመልኪቱ ብዕምቆት ብምዝታይን ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣገዳስነቶም ኣብ ሰልፊ ዘትዩ።

ካብ’ዚ ዝተጠቕሱ መሰረታዊ ሓቅታት ብምብጋስ ድማ ኣኬባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣቐሚጡ፥ ኣብ ሃገራዊ ኩነታት፡ ጸረ ዲሞክራሲ ዝኾነ ስርዓት፡ ኣብ ሰብኣውን ሓርነታውን መሰላት ደቂ ሰባት ዘይኣምን፡ ብባህልን ልምድን ሃገር ክጣላዕ ድሕር ዘይብልን ብምዃኑ፡ ስልጣኑ ንምሕላውን ምንዋሕን ክብል ብዝኾነ ክቋመር ድሕር ዘይብል ሕልና ዘይብሉ ስርዓት እዩ። ሃገርና ኤርትራ በዚ ግበታዊ ስርዓት ኣእትይዎ ዘሎ ኩለ መዳይ ዕንወት ሃገርን ህዝብን ብንእሽተይ ዝረኤ ዘይሙዃኑ ብምስትብሃል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ዝረኤ ዘሎ ጂኦ ፖለካዊ ምቅይያራትን ኩነታት ገማግም ባሕሪ ኤርትራን እቲ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ከየማኸረ ህልዉኑኡ ንምቕጻል ጥራይ ናይ ሉኣላውነት ሓደጋ ፈጢሩ ምህላዉን እቲ ትንኩሳታት ኹናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምስምስ ናይ ሉኣላውነት እውን ኣብ ቦቱኡ ምህላዉ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሃገርና ኤርትራ ሉኣላውነታ ብዝላዓለ ደረጃ ናብ ሓደጋ ኣስጢሕዎ ከምዝርከብን ኤርትራ ክድሕን እንተኾይኑ ንህዝቢ ዝሓቁፍ ሓድነት ዘውሕስ ዲሞክራስያዊ ባእታ ጥራይ ከምዝኾነ ብምርዳእ ሕጂ እውን ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለወጢ ክግበር ከምዘለዎን ነዚ ምንግባር ድማ ሰልፊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ክቕጽል ሙዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ጉዳይ ኤኮኖሚ እውን እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ጥምየትን ዳግማይ ኣብዘይ ትእከበሉ ምብትታንን ይስዕርር ምህላዉ ብምዕዛብ ሃገራት ዓለም ብኽፉት ቆላሕታ ክገብራሉ ይጽውዕ። ኣብ ጉዳይ ዝምድናታት እውን እዚ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ምትእትታውን ግብረ እከያት ኣጀንዳታቶም ኣብ ምስልሳልን፡ ግብረ ሽበራዊ ትግባራት ኣንጻር ካልኦት ምክያድን፡ ንስርዓት ኤርትራ ምስ ከባብናን ዓለምናን ኣብ ወጥሪ ዘእቱ ፍጻሜታት እከይ ተግባሩ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ብስንኪ ስደት ኣብ መላእ ዓለም ዝተበታተኑ ህዝቡ ፋዕራ ዘይብሉ ንግበቱኡ ዘገልግል ምግሓጥ 2% ካብ ኣታዊታቶም ጥራይ እምበር ኣብ ስደት ንዝገጥሞም ንሰባኣዊ መሰላቶም ዘይዓጦን ስርዓት’ዩ፡ህያው ምስክር ናይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፡ሊብያ፡ሱዳን፡ሱዕዲ ዝርከቡ ስደተኛታት ገለ ካብቲ ብዙሕ ናይዚ እዋንዚ መሰኻኽር ፍጹም ግበታውነቱ እዮም ።ሰለ ዝኾነ ኩሎም ሰባኣዊ መሰል ተጣበቐቲ ውልቀ ሰባትን ሃገራትን ብፍላይ ድማ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ እቲ ግበታዊ ጉጅለ ዝተወሰደ ናይ እገዳዊ ውሳኔ ንኸጽንዖ ብምምሕጻን እዚ ከይዲ ካብ ኤርትራውያን ሓሊፉ እውን ንኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ድቃስ ዝኸልእ ኮይኑ ምህላዉን ኣስሚርሉ።

 ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣብ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንጥፈት ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምድልዳል ከም መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ብምውሳድ ነቲ ድሮ ጀሚርዎ ዘሎ ከይድታት መዛተይ መድረክ ሰሚናር ብዕቱብ ክቕጽሎ ፡ በዚ ድማ ሰልፍና ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቃውሞ ዝጸንሔ ዘይምትእምማን ንምፍዋስ ግዲኡ ንምግባር ብዕቱብነት ክሰርሕን፡ ነዚ ድማ ብቐንዱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ወጺዩ ኩለን ኣካላት ባይቶ ካልኣዊ ፍልልያተን ንድሕሪት ገዲፈን ብሓባር ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክግስግሳ ከምዝሰርሕን፡ ሰልፊ ብመሰረት መትከል ጉባኤኡ ሃገራዊ ባይቶ ንምድልዳል ክኸይድ ዝጸንሓ ዝነኣድ ሱጉምቲ ሙዃኑን፡ ሃገራዊ ባይቶ መተካእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ጽላል ሙዃኑን ኣሚኑ ብዝቐልጠፈ ናብ ካላኣይ ጉባኤኡ ክኣቱ ዝካኣሎ ክሕግዝን ኣስሚሩ። ብተወሳኺ እውን ፈጻሚት በቲ ውሳኔኡ መሰረት ኣብ ዝኾነ ናይ ሃገራውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘተ ተኻፊሉ ንህዝቢ ሃገርን ኤርትራ ዝጠቅም ስራሕ ከምዝሰርሕ ወሲኑ።


 ንገምጋም ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓባራዊ ድልየትን ግሉጽነትን ብዝሰፈኖ ምይይጥ ብምግባር ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብቲ ሕሉፍ ገምጋም ምርኩስ ጌይሩ ኣድላይ ምምሕዳራውን ውደባውን ውሳኔታት ኣሕሊፉ። ብተወሳኺ ድማ ንኩሉ እቲ መሰረታት ሰልፊ ብጽንዓቱን ተወፋይነቱን ብቕዓቱን ንሕሉፍ መድረክ ሰጊሩ ዝርጋሔኡ ናብ ዝላዓለ ምኻዱ ብምምጓስ ፡ሕጂ እውን ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጸላኢ ንምብዳህ ፡ብመሰረት ዝተዋህቦ ሓላፍነት ተርኡ ክጸወትን ብመሰረት ዝሓንጾጾ መደባት ቃልሱ ንምምዕባልን ኣበርቲዑ ብምዕያይ ንጸላኢ ዓንዲ ሕቑኡ ክሰብርን ጸዊዑ ፡ ኣብ መወዳእታ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ንዝቕጽል ዓመት ብዝሓየለ ዝሰራሓሎም መደባት ስራሕን በጀትን ናይ ኣብየተ ጽሕፈቱ ኣጽዲቑ ።

ለበዋታት 3ይ ሱሩኦ ኣኬባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
• ህዝቢ ንምድሓን ኩሉ ናይ ቃልሲ መሓውራቱ ብምጥርናፍ ንሃገርና ካብ ብርሰት ዘድሕን ንኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ፍትሓዊ ናይ ስልጣንን ሃብትን ምምቕራሕ ዘረጋግጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ድሮ ሃኒጽዎ ዘሎ ሰረትን ክብርታትን መትከላትን ብዝግባእ ክንጸባረቕ።
• ሓድነት ህዝብታት ኤርትራ ጹኑዕ ሙኳኑን፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክመቓቕል ዝንቀሳቐስ ዘሎ እቲ መጋብራት እከይ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ሙኳኑ ብምእማን፡ እቲ ንሓድነትና ዝፈታተን ተግባራት ብሓደ ቅልጽም ክንብድህን፡ ገና ነቲ ዘይተመለሰ ዘሎ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምለስ ከምዝካኣል ብግብሪ ንምርግጋጽ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ምቅላስ፡
• ኣብ ምላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላትን ደለይቲ ለውጥን ደምበ ተቓውሞን ዲፕሎማስያዊ መሓውራት ገባቲ ስርዓት ንምቕጻይ ምቅላስ፡
• ደምበታት ተቓውሞ ምስ ናይ ሃገርና ኩነታት ዝመጣጠንን ነዚ ዘሎ መድረኽ ዝተዓጻጸፎ ናይ ለውጢ መድረኽ ንክፍጠር ጻዊዒት ነቕርብ።
• ኩሉ ኣካል ሃገራዊ ባይቶን ደገፍቱን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝብል ከይዲ ንምዕዋት ኣብ ከይዲ ሕድገታት ብምግባር ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ዘተ ንዕላማ ሃገራዊ ባይቶን ንምዕዋት ብሓላፍነት ክንሰርሕን ንምሕጸን።
• ኩሎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ ንጽውዕ።
• ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዘንብሮ ማዕቀብን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፍ መርገጻቱን፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዳሕረዋይ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብምምዛዝን ውጺኢት ብምቕራብ ድማ ዳግማይ ማዕቀብ ምግባሩ የሞጉስ። ኤውሮፓዊ ሕብረት ንመናውሒ ዕድመ ግበታ ዝከውን ሓገዝ ንገባቲ ጉጅለ ምሃብ ዘይቅኑዕ ሙዃኑ ብምስትብሃል ደው ከብሎ ንጽውዕ ።
• ኩሉም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ሃገራትን ሓይልታትን ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎና ክድግፉን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንጽሉን ንምሕጽን። ነዚ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲዮም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ፉሉይ ቆላሕታ ክገብሩ እንዳ ጸዋዕና ንህዝብን ሪፖፕሊካዊ መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝህብዎ ደገፍን፡ ሓባራዊ ረብሓታት ክልትኡ ህዝብታትና ንምርግጋጽን፡ ዞባዊ ጸጥታ ምርግጋእን ንምዕዛዝን፡ ኣብ ጎኒ ተጋድሎና ደው ብምባሎም ነሞጉስ።
ኣብ መደምደምታ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት 3ይ ሱሩዕ ኣኬባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንኩሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ዓወት እንዳተተምነየ ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘበነ ግበታ ኣብቂዑ ዘመነ ፍትሕን ዲሞክስራን ሰላም ቅሳነትን ምትእኽኻብን ክኾነልና ኩሉ ዓቕምኹም ኣዋዲድኩም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ክትዋሱኡ ደጊሙ ይጽውዕ።

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ 
ዝኽርን ሞገስን ንስዉኣትና 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
30 ሓምለ 2017

We use cookies to improve our website. More details…