ፖለቲካውያን ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

Print

Eritrean Nahda Party

 

 

ፖለቲካውያን ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም።

ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰሚናር ንምእታው ስምምዕ ተፈራሪሞም፣ ሎሚ ዕለት 04 ነሓሰ 2017 ብሰንኪ ፍልልያት ኣብ ደውታ ኣትዩ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውቲ ካብቲ ዝጸንሖ ደውታ ውጺዩ ንጥፈታቱ ንምቅጻል ተባሂሉ ብዓቢ ጻዕሪ ኣብ ዘተ ዝጸንሓ ክልተ ክንፊ ውድባት ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ ማለት 15ን 6ን ድሕሪ ነዊሕን ኣድካምን ናይ ዘተን ምይይጥን ምክያድ፡ ዝነበሮም ፍልልያት ብምጽባብን ብምስማርን ሎሚ ብሰሚናር ኣቢሎም ናብ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታው ከምዝተሰማምዑ ተሓቢሩ።

 

እዞም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ በብወከልቶም ኣብቲ መስርሕ ስምምዕ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣካል እታ ሽማግለን ዘተን ኮይኑ ንልዕሊ ሾመንተ ኣዋርሕ ብምቅስቓስ ዘድሊ ጻዕሪ ዘካየደ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ንምውሓሱ ኩሎም ሓይልታት ከምቲ ናይ ሎሚ ስምምዕ ቀዳምነት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘቀደመ፡ እቲ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ብዓወት ንክዛዘም ኩሉ ዝጥለቦም ተወፋይነት ክገብሩ ለበዉኡ ብምቕማጥ፡ እቲ ናይ ሎሚ መስርሕ ግን ብዓወት ምዝዛሙ ዘሕጉስ እዩ ነይሩ ክብል ንክፍሊ ዜና ሰልፊ ሓቢሩ ።


ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
04 ነሓሰ 2017

We use cookies to improve our website. More details…