መልእክቲ ደገፍ ንፈስቲቫል ፍራንክ ፈርት

Print

Eritrean Nahda Party

 

መልእክቲ ደገፍ ንፈስቲቫል ፍራንክ ፈርት፣ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፣ 04/08/2017

ዝኸበርኩም ኣሰናዳኢት ፈስቲቫል ፍራንክፈርት፣ ዝኸበርኩም መሪሕነትን ካድራትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪክ ማሕበራትን፣ ዝከበርኩም ዕደማት ኣጋይሽ፣

ኣቐዲመ ኣብዚ ምዕሩግን ሃገራዊ ፈስቲቫል ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕን ካልእን ኣብ ሞንጎኹም ክርከብ ዘይምኽእለይ እቕረታ እንዳሓተትኩ፡ ቀጺለ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብስም መሪሕነት ካድራትን መሰረታትን ደገፍትን ሰልፍና ነዚ ቓልዚ ከቀርብ ዝተፈቐደለይ የመስግን፡ ናይ ለምዘበን ፈስቲቭል ከምቶም ዝሓለፉ ፈስቲቫላት ዕዉትን ድሙቕን ክኸውን ዘለኒ ሰናይ ምንዮት ውሲኸ ይገጽ።

ዝኸበኩምን ዝኸበርክንን፣ ፈስቲቫል ሓደ ካብቶም ብውጹዓት ደለይቲ ፍትሒን ሃገራውያንን ተቓለስትን ውድብን ዝሰላሰልን ሃገራዊ መተኣኻኸብን መራኸብን መዛተይን ባይታ ከም ሙዃኑ መጠን ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ኣልዒልና ኣብ ዙርያ መግትእን መፍትሕታትን ክንገብረሉ ዘይካኣልና፡ ህሉዋት ጸገማትና ክንላዘብ ዉሁብን ጉደድን ይኸውን፡ ንሕና ኤርትራውያን ድሕሪ’ቲ ስለ ናጽነትና ዝኸፈልናዮ መዳርግቲ ዘይርከቦ ረዚን ዋጋ፡ ሕሰማትና ብዘየዳግም ንሓዋሩ ተቐንጢጡ፡ ናጽነትናን ሓርነትናን ዉሑስ ኮይኑ፡ ብኽብረትን ቅሳነትን ክነብርን ጉቡእና እዃ እንተነበረ፡ ብሰንኪቲ ኣብ ምድሪ-ቤትና ዝፈለሓን ንባህግታትና ዝጨወየን፡ ብሕትውናን ምልክን ኣንጊሱ ናብ ውሽጣዊ ባርነት ዝሸመመና ጠላምን ገባትን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብቲ ዝመረረ ሃለዋትን ኣብ ታሪኽ ኣህዛብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዋሕዚታቱ ዛጊት ከቋርጽ ዘይካኣለ በደላትን ገበናትን ፈሲስናን ይፈሰናን ኣሎ።

ገለ ካብኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብናን፡ ምስቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፈኤ ዝኸይድ ዘሎ ተጽዕኖታት ምልክን ማሕበራውን ቁጠባውን ማሓንቆታትን ካልእን ጹረት ሚዛኑ ልዕሊ ዓቀን ከቢድዎን ኣብ ናይ መወዳእታ ጥርዚ በጺሑን ይርከብ።

መንእሰያትና ተስፋን ራኢን ኣልቦን ኮይኖም ካብ ሃገር ክስደዱ የእጋሮም ናብ ዝመረሖም ክሳጉሙ ብጅምላን ብኣሰቃቒ ኩነትን ኣብ ኣጻምእ በረኻታትን ማያት ባሕርን እንዳ ሃለቁ፡ እቲ ጨካንን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ካብታ ዘውዲ ምልኪ ዝደፋኣላ ዕለት ጽባሕ ናጽነት፡
ክሳብ ሎሚ ጨካንን ዘይሓላፍነታውን ንጠቕላሊ ብርሰትና ዝቖመን ዝተዓጠቐን ደመኛ ሙዃኑ ብግብሪ ኣርእይና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ገጽ መሊሱ ክንሕፈናን ንገበናቱ ጡዑስን ካሓስን መንፈስ ክላበስን ንምሕረትና ክሳደ ዝደፍእን ባህሪያት ከምዘይብሉ መምስ ኣሰንባሪ ከይድታቱ ክሕደታቱን እናሻዕ ይነግረናን ኣነጺርልናን ኣሎ።

እምባርከስ ሃለዋትና ዝሓሰመን ዝመረረን ካብ ኮነ እከይ ትልሚ መጻኢና ብሕሳብን ኣካይዳን ጠላሚናን ቀታሊናን ምስሉ እዚ ካብ ኮነ ኣብ ሞንጎ ህላወን ዘይምህላውን፡ ኣብ ቅድሜና ክልተን ደምዳምን ምርጫታት ተዋዲዶም ወይ ንህላወና ንበቅዕ ወይ ህላወና ክንጽንቅቕ ምላሽና ከነቐምጥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝጽበየና ዘሎ ህሞት ብፍላይ በኣና በቶም ካብ ሃገር ወጻኢ ዘሎና ደለይቲ ፍትሒ እሞ ድማ ብግሁድ ኣብ ዝግበር ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተጸሚድና እንርከብ ተቓለስቲ፡ ንሕሉፍ ዓመታት እቲ ዘሎ ምንቅስቓስና ከም’ቲ ዝድለ ንኸይሱጉም ሓሊኹ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ዝንገረሉ ምኽንያት ሓደ ብዝሒ ውድባትን ሕድሕዳዊ ምትፍናናቶምን’ዩ።

እዚ ስነ ሞጎት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብስሩዕ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንኸይሳተፍ ናይ ምጥርጣር መንፈስ ክፈጥረሉ ጸኒሑ’ዩ። ነዚ ምስሊ’ዚ ንምቕያር ድማ’ዩ ተቓወምቲ ሓይልታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ፍልልያተን ጼረን ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ብምቅላስ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣወዳድባ ክሕዛ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሓቅን ዝሓልሞ’ዩ።


ዝኸበርኩም ዝኸብርክንን ንጥፍኣት ከም ሕርያ ዝወስድ ኣካል ከምዘየለ ርዱእ ኮይኑ፡ ሃለዋትና ድማ እቲ ኣቐዲመ ዝጠቅስክዎ ሓቅታቱ እናሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ ንህላወናን ቀጻልነትናን ዝወሰድናዮም ተበግሶታት ቃልሲ ደኹማትን ዘይ-ኣድማዕትን ነይሮምን ይቕጽሉን ኣለዉ። ቀዳምነት ንሃገርናን ድሕነትናን ድሕነት መላእ ህዝብናን ሰሪዕና ኣክንዲ ንዓይ፣ ስኒትን ውህደትን ዊሒድና ኣብ ባዕላዊ ግርጭታትን ምንዕዓቅን ምንጽጻግን ድሕሪ ምውዳቕና ኣዳዳ ተበለጽትን መንደልሓቕትን ንሙኳን ንበቅዕ ምህላውና ዘሎ ተርእዩ ይምስክር ከምውጺኡቱ ድማ ዘይ ብቑዕነት ተወንዚፋ ኣብ ረዚን ትዕዝብቲ ሓፋሽ ህዝብና ንርከብ።


ኣብ መወዳእታ ቃለይ ድማ ሎሚ ሕሉፍን ህሉዉን ኩነታትና ገምጊምና ብምሕዋይ፣ ዕምሪ ጸላኢና ከነሕጽርን ልዕልና ሕጊ ከነንግስ ፍትሒ ማዕርነት ኩሎም ሓርነታትን ከነረጋግጽ መድረኻዊ ዛዕባናን ጻዊዒት ህብናን ከምሙዃኑ መጠን፡ ኣብዚ ፈስቲቫል ፍራንፎት ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ብዓል ቤታውን ውድዓውን ጸጋማትና ክንናገፍ ፍልልያትና ኣወንዚፍና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከነቀድምን፡ ነዚ ኣካቢና ዝኾነ ፈስቲቫል ሓድነትና ኣብ ምድልዳል ብግብርን ብጉቡእን ክንጥቐመሉ፡ ሃገራዊ ዛዕባታት ኣዕዚዝና ናብ መፍቲሒታት ዝመርሑና ልዝባት ከነካይደሉ ዘለኒ ልባውን ልዑል ህርፋንን እንዳገለጽኩ፡ ነዚ ሃገራዊ ፈስቲቫል ክውን ዝገበሩ ኣሰናዲኢትን ሓገዝትን እንዳመስገንኩ ደጊመ ዕዉት ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ይምነ፡ ደጊመ ብሰመይን ብስም ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ንዝገበርኩምለይ ዕድመ የመስግን።

ዓብደራሕማን ጣሃኑር
ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

04/08/2017

We use cookies to improve our website. More details…