ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያን ምጉባጥ ኣካየድታ ብጅምላ ይእሰሩ ኣለዉ፣ ገባቲ ስርዓት

Print

Eritrean Nahda Party

ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያን ምጉባጥ ኣካየድታ ብጅምላ ይእሰሩ ኣለዉ፣ ገባቲ ስርዓት

ህግደፍ መቐጸልታ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-ኢስላምያ ንምጉባጥ ሽማግለታት ወለድን መምህራንን እታ ቤት ትምህርቲ ብጅምላ ይኣስርም ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ካለኦትን ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምእሳር ሱጉምቲ ድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ወለዲ ተማሃሮ ዝተገብረ ገምጋም’ዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ሴራ ናይ ጎበጣ ብወለዲ ኮሚቴታትን እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራን ካለኦት ሓለፍቲ ንዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ክግታእ ኣለዎ ብምባሎምን፡ ነቲ ምስ መሰረታዊ መትከል ናይ እምነት ምስልምና ዝራጸም መምሪሒታት፡ ሃይማኖታዊ (ናይ ቁርኣንት ምህርቲ) ደው ክብል ዝብልን ካልኦትን ምስቲ መስረተራዊ ቅዋም ኣመሰራርታ እዚ ቤት ትምህርቲ`ዚ ፈጺሙ ዝጻረር ናይ ኢድ ምትእትታትው ድው ክብል ንዝብል እቶም ወለዲ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምርኣዮም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ተደገጋጋሚ እዋንናት ነቲ ቤት ትምህርቲ ንምግባቱ ንምውሳደን ክግበር ዝጸንሓ ፕሮጋንዳ ንታህዲዳትን ብትሪ ብምቅዋም፡ እቶም ወይጦታት እቲ ስርዓትን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነዚ ግበታዊ ዕብለላን ጎበጣን ንምስላጥ ዝግበር ዘሎ ሙዃኑን ኣነጺሮም ድሕሪ ምግጋሞም እዩ። 

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል ኢስላምያ በቲ ግበታዊ መንግስቲ ተዓሺጉ ምህላዉን ነዚ መእሰርትን ምዕጻውን እቲ ቤት ትምህርቲ ህጹጽ ፍታሕ ንምርካብ ንኩለን ናብቲ ዝምልከቶ ኣካል ግበታዊ መንግስቲ ኣቕሪቦም ዛጊት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መፍትሒ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም፡፡

እዚ ቅድሚ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ዝተደኮነ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል ኢስላምያ ብተለምዶ (እንዳ እስታዝ በሽር ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ኣኽሪያ ዝርከብ ኮይኑ ሃይማኖታውን ኣካዲምያውን ትምህርቲ ዝልግስ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ስርዓታት ሃይለስን ደርግን ዘይተተንከፉ ምንባሩን፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን ብተደጋጋሚ በዚ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ገባቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ንንብረትን ህዝቢ ናይ ምዕብላልን ምጉባጥን ኣካይዳ፡

ብምፍርራሓትን ብምእሳር ዝግበር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ሃይማኖታዊ መሰል ኢድ ምትእትታውን ተረዲኡ ብዙሓት ህዝብን ውድባትን ይክንንዎ እኳ እንተለዉ፡ ንነባርን ህጹጽ ፍታሑ ግን ኩሉን ሃገራት ዓለም፡ ሰብኣዊ ትካል ማሕበራትን ኩሎም ደላይቲ ፍትሒ ኤርትራን ዓለምን፡ ንኹሉ እቲ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እቲ ስርዓትን ንግህስት ሃይማኖታዊ መሰልናን ብምቅዋም ንኩሎም እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ከምዘሎዎምን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኢድ ዋኑኡ ዝኾነ ህዝቢ ክቕጽል ኢሎም ኣውያቶም ዘስምዑ ዘለዉ ህዝቢ፡ ድምጺ ክንኮነሎምን ነቲ እኩይ መጋብር እቲ ስርዓት ከተቃልዕዎን ክትኹንንዎ ብምባል ኣዘኻኺሮም።


ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ
25 ጥቅምቲ 2017

 

We use cookies to improve our website. More details…