እቲ ንምብርዓን ህዝባዊ ምልዕዓል ተባሂሉ ዝቖመ

Print

Eritrean Nahda Party

ብጀ/ ፍሊፖስ ዝምራሕ ግበረ ሓይሊ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ምእሳር ይቕጽል።  

ቅድሚ ሰሙን ዝተፈነጸመ እምቢታ ኣብ ልዕሊ ግበታን፡ ምርጋጋጽ ንመሰልን ዝቐረበ ህዝባዊ ሕቶ ኢድ ምትእትታው ኣብ ቤት ትምህርቲ ይለዓለለናን፡ ምእሳር ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢዱ ኣየእትወልና፡ ሰባኣዊ መሰል ይከበር፡ ብዝብል ዝተላዕለ ህዝባዊ ሰውራ 31 ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣሰመራ ካብ ከባቢ ኣኽሪያ መህረምጭራ ተበጊሱ ክሳብ ጎደና ሓርነት ልዕሊ ዕስራ ሽሕ ህዝቢ ዘሳተፈን ንሃይማኖታዊ ትካላትን ሚኒስትራትን እቲ ግበታዊ ስርዓት፡ ቁጡዑኡን ሕቱኡን ዘብጸሓ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዕፋን ንምቕሃምን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝርከብ ግበታዊ ስርዓት ከምቲ ልሙድ እቲ ሕቶ ሕዝቢ ብጎነጽን ብኣፈ ሙዝን ከምዝመለሶ ኩሉ ደላይ ሓቂ ዝተዓዘቦን ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ዘቃለሖኦ ተረኽቦ ሙኳኑ ይፍለጥ።

ድሕሪ እቲ ተረኽቦ እውን ነዚ ሕቶ ህዝቢ በኣፈሙዝ እተበርዕን ብጀነራል ፍሊፖስ ወልደዮሃንስ እትምራሕ ግብረ ሓይሊ ድሕሪ ምቋማ ዝሓለፉ ማዓልታት ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ብፍላይ ንተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ዝርከቡ ዕድመን ጾታን ዘይትፈሊ፡ ወላ እውን ኣብ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ (ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈት ዘገልግሉ) ከይተረፈ ኢድ ኣለኩም እንዳበለት ብምውሳድ፡ ዝበዝሑ ይእሰሩ እኳ እንተሃለዉ፡ ገሊኦም ተሰራጥዮ ተፈራሪሖም ከምዝምለሱ ዘለዉ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ድማ ንነበርቲ ኣኽሪያን ከባቢኣን ዝርከቡ ሰብ ትካል በቲ ህሉው ኩነታት ሰጊኦምን ናይ ዕጡቓት ሰራዊት ከበባ ኣስጊእዎም፡ ትካላቶም ዝዓጸዉ፣ ስለምንታይ ዓጺኹም ብዝብል ሰበብ ተኣሰሮምን ፍቓድ ንግዶም ተሓዲጎም ትካላቶም ይዓጽዉሎም ምህላዎም ጸብጻባት ረድዮ መድረኽ ሓቢሩ።

ትማሊ ዕለት 06 ሕዲር 2017 ድማ መቐጸልታ እኩይ ተግባራቱ ናይዚ ብፍሊፖስ ዝምራሕ ግብረ ሓይሊ ናይ ምእሳር ምስርጣይን ምብስባስን ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ኣብ ሰውራ ህዝቢ ኢድ ኣለኩም ብምባል ካብ ገዘኦም ብምስርጣይን ብምፍርራሕን ብዓፋናት መካይን ገይሩ እንዳወሰደ ምእሳሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ድማ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ህዝቢ ዝብሎ ዘሎ ግን በዚ ልሙድ ተግባራት ናይቲ ግባታዊ ስርዓት ራዕዲ ናብ ህዝቢ ንምፍጣር ይገብሮ ምህላዉን ተረዲኡ፡ ምንም ከምዘይ ተሰቆሮን እቲ ዝኣስርን ዝሰራጥን ዝቕጥቕጥን ዘሎ መጋበሪያ ኢሰያስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብህዝቢ ከም ዝሕተትን ኣብ ትሕቲ ምሕረት ህዝቢ ከምዝኣትውን ብምእማን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰውራ 31 ጥቅምቲ ክሳብ ለውጢ ክቕጽሉ ሙዃኖም፣ ነዚ ድማ ንመስዋእቲ እውን ድልዋት ምህላዎም’’ ካብ ቃሎም ዝሰምዑ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

07 ሕዲር 2017

We use cookies to improve our website. More details…