ሎሚ እውን ምስ ህዝብና ኢና፡ ብዝብል ጭርሖ

Print

Eritrean Nahda Party

 

ሎሚ እውን ምስ ህዝብና ኢና ብዝብል ጭርሖ ንዝኽሪ መበል 12 ዓመት ምስረታ ሰልፊ ናህዳ

 ኤርትራ ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ከተማ  ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዕለት 13-ጥሪ-2018  ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓዲንግሊዝ ዝተዋሃሃደ ብዙሓት  ኣባላትን ሰልፍን ዝተፈላለዩ ፖልርቲካውያን ውድባትን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ከምዝተዛዘመ  ወኪል ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ሃገረ ዓዲንግሊዝ ሎንዶን ሓቢሩ፡ ኣስዒቡ ወኪል ክፍሊ ዜና ሰልፊ ከም ዝሓበሮ እቲ ኣብ ክልቲኡ ከተማታት ሎንዶን በርሚንግሃምን  ዝተኻየደ ኣኬባ ብሓው ጀማል ፍትዊ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊን ኣቦ ወንበር ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝን ብናይ እንዃዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ከምኡ ውን መልእኽቲ ቃል ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ተሰሚዑ፡ ቀጺሉ ሓው ኢንጅ/ እድሪስ ኑሩ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሓላፊ ህዝባዊ ውደባን ንጉዕዞ 12 ዓመታት ሰልፊ ዝድህስስ መጽናዕናዊ ጹሑፍ ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ብስላይድ ምስ ስእልታቱ ዝተሰነየ ኣበጋግሳን ኣተሃላልዋን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝገጠምዎ ብድሆታትን ኣፈተታትሖምን ዝምልከት ክሳብ ሳልሳይ ጉባኤ ድሕሪኡን በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለታት ክሳብ ዝሓለፎም ሓጎጽጎጻትን ሰጊሩ ኣብ ጡጡሕ ናይ ቃልሲ ባይታ በጺሑ ምህላዉ ብሰፊሕ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ሓው ሰላሕ መሓመድ ዜን ብዓረብኛ ተርጊሙ ብሰፊሕ ገሊጹ።

ቀጺሉ ሓው ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፍን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ድማ ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣናብቡኡ ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝወስዶም ዘሎ መርጊጺታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብሪህን ዓሚቕ ትንተና ዘሎዎ መጽናዕታዊ ጹሑፍ ኣቕሪቡ፡ ቀጺሉ ሓው ዓብዱልዓዚዝ ኣንዋር ንሓድነት ዓንድ ማእክልነት ብዝብል መጽናዕታዊ ጹሑፍ ብምቕራብ ነቲ ናይ 40ታት ዝነብረ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ`ዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ብምዝማድ ኣብቲ እዋን እቲ ካብቲ ዝነብረ ኩነታት ንምውጻእ ለባማት ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ዝተጠቕመሉ እንኮ ሜላ ሓድነት ህዝብታት ምርግጋጽ ምንባሩን ብምግላጽ፡ ነዚ ድማ ምስዚ ዘለናዮ ኩነታት ተዛማዲ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተደግመ ኩነታት ኣቲና ምህልውና ብምርግጋጽ እቲ ናይ ለባማት ኣቦታትና መፍትሒ ሕጂ እውን ኣብ ኢድና ምህላዉን ንሱ ድማ ሓድነት ህዝብታት  ሙዃኑን እዚ ኣብቅድሜና ተኾዲሙ ዘሎ ጸላኢ ሓንቲ ውድብ በይና ኮይና ትስዕሮ ኣይኮነን፣ ምውህሃድ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ እዚ ዝተፈላለየ ኣካላት ሕብረተሰብና ክሕወሶ ከምዘለዎ ዝብል ዓሚቕ ትንተና ዘለዎ ጹሑፉ ኣቕሪቡ።

ሲዒቡ ድማ ሓው ዓብዱራሕማን ሰይድ ናይ ሙሁር ስፍሕ ብዝበለ ትንተና ንኹነታትና ዝድህስስ ቃል ኣቅሪቡ፣ ኣስዒቡ ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ኣሕመድክሉ ቃል ኣስሚዑ ሓው ሓምድ እዛዝ ናይ ሙንኸፈዳት ቃል ኣስሚዑ፡ ሓው ጸገዘኣብ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪ ቃል ኣቕሪቡ፡ ብድሕሪ`ዚ ኣብ ናይ ክትዕን ዘተን መድርኽ ምስተኣትወ ሃናጺ ብዝኾነ ሪኢቶታትን ለበዋን  ነዚ ህሉው ኩነታት ከመይ ኢና ነንብቦ ዘለና እንታይ ከ ክንገብር ኣለናን ዝብል ስፍሕ ብዝበለ ክትዕ ተኻይዱ፡ ሓው ዶ/ር ክብረኣብ ኢስሓቕ ኣብ ሰልፊ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣመልኪቱ ናይ ምሁር ቃል ኣስሚዑ፡

ሓው ፔጥሮስ ባዕታይ ኩነታትና ኣብ ግምት ኣእቲና ንዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ከባቢናን ብኸመይ ንሪኦ ኣለና ዝብል መግለጺ ሂቡ፣ ሓው ዳኒኤል ገብረትንሳኤ እውን ሰልፊ ናህዳ ዘርኣየቶ ድሕሪ ምምስራት ሃገራዊ ኮምሽን ዝተጻወተቶ ተራን ብምምጓስ ክሳብ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋት ባኣድናቖት ገሊጹ፡፡ ላዕለዎት መሪሕነት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብዘዕግብ ምላሽ ሂቦም።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

17 ጥሪ 2018

We use cookies to improve our website. More details…