إنا لله وانا اليه راجعون البقاء لله

Eritrean Nahda Party

إنا لله وانا اليه راجعون البقاء لله

መርድእ ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፣

ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፤ ብግፍዓዊ ጉጅለ ኢሰያስ ን5 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 94 ዕድሜኦም ሎሚ ቀዳም ወጋሕታ 3 መጋቢት 2018 ተሰዊኦም (ተራሒሞም) ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣብ ኣርባዓታት ዝካየድ ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ ጽነት ዝመርሑን ዝወደቡን ዝነበሩ ሓርበኛ ኣቦ እዮም። ብዘይካ 'ዚ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ውሽጣዊ ስርዒት ተወዲቦም ዓቢይ ናይ ከተማ ስርሒት ብምፍጻም ተኣሲሮም ዝተሳቐዩ ሓርበኛ ተጋዳላይ እዮም።
 
ኣብ'ዛ 80 ዓመታት ተቓሊሶም ብደሞም ዘምጽኡዋ ሃገር፤ መሰል ህዝቢ ይታሓሎ ስለ ዝበሉ ብምልካዊ ጉጅለ ኢሰያስ ተኣሲሮም ቃሎም ከይዓጸፉ ኣብነት ኮይኖም ዝሓለፉ ክቡር ኣቦ ታሪኽ እዮም። 

 

ስነስርዓት ቀብሪ ክቡር ኣቦና ሓርበኛ ሙሳ መሓመድ ኑር፤ ሎሚ ሰዓት 4:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቓብር ሸኽ ኣል ኣሚን ኣስመራ ክፍጸም እዩ። በዚ ተረኽቦ'ዚ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብመስዋእቲ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘኑ ይገልጽ፣ ንኣቦ ታሪኽ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ካኣ ረቢ ይርሓመሉ ብምባል፣ ንስድራ ቤቱን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓትን ሓድነትን ንምነ።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፣
3 መጋቢት 2018

Top
We use cookies to improve our website. More details…