ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

Print

 

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንዃዕ ንመበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጽሓካ/ኪ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራዊ “ክወግሕ’ዩ” ብምባል ልዕሊ 30 ዓመታት ተጸሚሙ። ንብርሃን ጸሓዩ ጋሪዱ ዝነበረ ጸልማት

ክጋልህ ከኣ ናይ ማንም ደገፍ ከይተጸበየ ኩሉ ኣንፈቱ ኣብ’ታ ትበርቕ ዝነበረት ጸሓይ ወጋሕታ ገይሩ’ዩ ተጋዲሉ፡ መስዋእትን ንሒን ተቐኒቱ ድማ ነዚ መዓልቲ ኣብቂዑና። እወ! ዝኾነ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ ሕሉፍ ታሪኹን ህሉው ኩነታቱን ተሞርኲሱ ድማ መጻኢታቱ ይእንፍት። ስለዝኾነ ድማ ሕብረተሰባትና ዝውንኑዎ ክብርታትን ወግዕታትን ባህላዊ ጭዋነትን ሃገራውነትን ካብ`ቲ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም ዝነቅል’ዩ። ሰለ ዝኾነ ድማ እቶም ንሰላማዊ ቃልሲ ኣንጻር ገዛኢ ኣትኪሎም ዝቃለሱ ዝነበሩ ናይቲ ግዜቲ መንእሰያትን ዕላማ ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ንከይሃስስን ናብቲ ሓቀኛ ናጽነት ፍትሕን ዲሞክራስን ንክንበጽሕ እቲ እናሻዕ እንሓስበሉን ንሓዋሩ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረተ ዘይብለል ታሪኽ እምብታነት ኒሕን ጀግንነትን ቀዳሞት ምልስ ኢልና ምስ እንሪእዮ እዩ፡፡

ነዚ ድማ ብምልኣት ኣፍልብና ነፊሕና እንኾርዓሎምን ሓያለ ናይቲ እዋንቲ ቅያታት ኣንጻር ባርነት ቃልስታት ታሪኽ ብናይ ሽዑ መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ዝወነና ምዃና ከም እንንየተሎም ርጉጽ እዩ፡ ነቲ ዝነበረ መድረክ ሰላማዊ ቃልሲ ሕቶ ንናጽነት ኣብ ምዕምባቡ ብውዲት ዕሱባት ምስ ተቖጽየ ንምህናጹ በቶም ናይቲ ግዜቲ ደለቲ ፍትሕን ናጽነትን ኣቦታት ብሓያልን በዳህን ኩነት ዳግማይ ምትካሉ እኳ እንተተፈተነ ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት እናጸበበ ኣብ ዘይካኣለሉ ደረጃውን ተበጸሓ በዚ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ግድነታዊ ናይ መወዳእታ ምረጫ ሙኳኑ ብምስማር ናጽነት ንምድላይ ናብ በረኻታት ብምውፋር ብጅግና ሱዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ። እዚ ኣንጻር ሕሱምን ጨቛንን ባዕዳዊ ገዛኢ ምስ ኩለንተናዊ ገዚፍ ዓቕምታቱ ከይተዳህለ ብምግጣም፡ ውላድ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይ ተጋዳላይ በጃ ህዝቡ ዘይጽወር ዝጾረ ኣብ ኣጻምእን ምድረበዳን ኣብ ጎቦን ስንጭሮን ኣብ ዱርን ገደልን ከርተት ዝበለ፡ ሓንቲ ህይወቱ ከይበቐቐ ንናጽነት ሃገር ዘወፈየ፡ ጅግና በጃ ህዝቡን ሃገሩን ብወርቂ ቀለም ታሪኽ ክውንን ዝኸኣለ፡ ብመስዋእቱ ከመስክር ስለ ዝበቕዐ ወራሲ ሕድሪ እዞም ሙዑታት ጀጋኑ ኣቦታቱን ናብተን ጀማሪትን ፈጻሚትን ክልተ ሰውራውያን ሓይልታት ብምጽምባር ብዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእቲ ነዚ ዕለት’ዚ ክበቕዕ ኻኣለ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ከቢድን ክቡርን ዋጋ ሓርነት’ዚ ክኸፍል ከሎ፡ ኣብ'ታ ብነጻነት ዝተቦከረት ሃገሩ፡ ዘላቒ ፖሎቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታቱ ብምምዕዳው ተቋዳሲ ሃገራዊ ጸጋታቱ ክኸውን ብምእማን’ዩ። ኣብ ነጻ ሃገሩ ልኣላዊ መሰሉን ማዕርነቱን ተሓልይሉ ብክብሪ ክነብር፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምዕሩይን ፍትሓውን ተሳትፎ ክህልዎ ብርቱዕ ባህግታት ነበሮ። ኩሉ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተኸቢሩ፡ ብመንነቱ ከይተሾቕረረ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ነጻ ኮይኑ ብሰላም ክነብር፡ ደረጃ ብደረጃ ንድሕረት፡ ድኽነትን ድንቁርናን ብምውጋድ፡ ብመንገዲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባሌ ኣቢሉ ብልጽግቲ ሃገር ክምስርትን ንቅድሚት ክስጉምን ዝነበሮ ህርፋን መዳርግቲ ኣይነበሮን። ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታቱ ብምዕቃብ፡ ብመንፈስ’ቲ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ዘጥረዮ ስኒትን ሓድነትን ተኸባቢሩን ተሓቋቂፉን ክነብር ዝነበሮ ባህግታት ዓሚቕ ነበረ። ምስ ኣህዛብ ጎረባብቱን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን፡ ኣብ ማዕርነትን ሕድሕድ ምክብባርን ዝተመሰረተ ንሓባራዊ ረብሓታት ምስ ሰናይ ዝምድናታት ንምህናጽን፡ ዝሓለፈ ምዕራፍ ብምዕጻው ሓድሽ ባብ-ታሪኽ ብምርሓው፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ወፍርን ምዕባሌን ኣውንታዊ ተራ ክጻወት ዝነበሮ ሕልምታቱን ድሌታቱን ሓያል ነይሩ። ኮይኑ ግን ኣብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ኩሉ’ቲ ራእይን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራን እከይ ዕላማታትን ተግባራትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ብዘይምቅዳዉ፡ ፍጹም ክልተ ተጻረርቲ ድሌታት ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን።

ዝኸበርካ ተቓላሳይ ህዝቢ!

ከም ሰልፍ ናህዳ ኤርትራ ድሕሪት ምልስ ኢልናን ዘለናሉ መድራኻት ኣብ ንሪእየሉ፡ ብሰንኪቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምኽላፍ ባህግታት ህዝብን፡ ኣሰቃቂ ዘበታውን ባዕዳዊ መግዛእቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ድቦላዊ ሓደጋታት ኣብ ትሕቲ ሩኡይ ጥልመትን ውሽጣዊ ባርነታዊ ጭፍለቓ ብደዔን ዓመጽን ተሸሚሙ። እቲ ሃገራዊ ናጽነት ክረጋገጽ ናብ ሜዳታት ኤርትራ ዝወፈረ ሓርበኛ መንእሰይ ሓይሊ እውን፡ ክንዮ ምብራር መግዛእታዊ ስራዊትን ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዝሓለፈ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝድብስ ዓይነት ከመይነትን ኣተሃናንጻን መንግስታዊ ስርዓት ዛዕባታት ሓርነታዊ ዴሞክራስያዊ መሰላትን ዉሑስ ከይገበረ ሕጹይ መስዋእትን ገንሸል ናጽነትን ጥራይ ክኸውን ከምዘለዎ ተገይሩ ተሃኒጹ፡ በዚ ድማ ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክብሪ ስኢኑ፡ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላቱ ተነፊጉ፡ ኣብ ትሕቲ ዳግማይ መግዛእትን ባርነትን ገባቲ ስርዓት ዝነብር ዘሎ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተኸተሎ ግጉይ ስርዓተ ምሕደራ ንምልካዊ ስልጣኑ ዘገልግል ዝደኰኖ ኣዕናዊ ፖሊሲ፡ ክንሪኢ እንኮለና ድማ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን፡ ስያመን መንነትን ኣህዛብ ኮነ ብሄርነት ህዝባዊ ግንባር እዩ ዝዕድል፡ እቶም ዘስጉኡኒ ሰባት ብዘይፍርዲ ክእሰሩ ኣለዎም፡ ባሓቲ ንግዳዊ ንጥፈት ኤርትራ ናይ 09 ህዝባዊ ግንባር እዩ፡ ወዘተ…. እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራዊ ኣስዒብዎ ዘሎ መሰረታዊ ሽግራትን ፈጢርዎ ዘሎ ዓቕሊጽበትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሃገር ኣተኣታትይዎ ዘሎ ሰብኣውን ማተርያላውን ዕንወትን ብርሰትን ጥራይ ከይኣክል መንገዲ ሰላምን ርግኣትን ብምዝራግ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ብሰላም ክነብር ዘይክኣለ ብኩለ መዳይ ነታ ሃገር ናብ ሓደጋ ምብትታን ኣእቲዋ ምጽንሑ ንማንም ኤርትራዊ ዘይንገር ሓቂ እዩ።

ኩቡር ተቓላሳይ ውጹዕ ህዝቢ! ግበታዊ ስርዓት ሕልሚ ጸላም ኣጀንዳታቱ ንምቕጻል ስልጣን ንምብሓትን ውልቀ መላኽነት ንምንጋስን ብመራሒ ጉጅለ ግበታ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተሃንደሰ ሕጊ ኣልቦነት ከም ቀንዱ ተጠቃሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ ዝዓለመ ኣዋጅ ጥፍኣት ዝረኤ ኮይኑ ብቀደም ተኸተል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ዝዘነቡ ፍጹማዊ በደላት መጸባጽብቲ የብሎምን።

ብኸፊል ገለ ንምባል ምድኻም ሃገራዊ መንፈስን መንነትን ፈላላይ ተጻብኦ ሓድነት ዘይፍትሓዊ ዂናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ሳዕቤናቱን ግዱድ ዕስክርናን መላእ ሕብረተሰብ ናብ ዓስከር ናይ ምቕያር ንድፍታትን ብመስርሕ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ምግባት ኩሎም ሽቕለታትን ኣቢልካ ብድኽነት ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ማሓውርካ ብምእታው ዝሰረተ ውጽዓ፡ ምስክርነቱ ድማ ነቲ ተቓሊሱ ዘቃለሰ ህዝቢ ብቀይዲ በተኽነትን ሕጊ ኣልቦነትን ስቕታት ሉኡምነትን ብምንጋስ ምብኻን ኣእምሮን ስደትን ብልሽውናን ምርሳይ ጸጋታት ሃገርን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ጥፍኣት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕ’ዩ፡ ኣብዚ ሓድሽ መድረክ ክንዮ እቲ ናይ ይምሰል ሰላም ምስ ሃገረ ኢትዮጵያ እውን፡ ንብዙሕ ዓመታት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተጋዳላይ ፖለቲካዊ ብስለቱን ከየስፈሓ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ`ቲ ሃገር ከይሳተፍን ብዓቢ መጋረዲ ተታሒዙን በቶም ሕቡኣንን ሰብ እከይ ሕልምን ራእይ ብምቅላስ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቃልሲ ንናጽነት ንድፊ ባርነት ብምስኣል ብሱዉራት ኣባላትን ስዉራት ትካላትን ነቲ ቃልሲ ኣብ ውሽጡ ጉጅለኣዊ ጃናዳ ብምኹማር፡ ነቲ ከቢድ መስዋእትን፡ ስንክልናን፡ ደም ራሃጹን ዝኸፈለ መንእሰይ ኣካል ገድልን ሓፋሽ ህዝብን ናይ ምጥላም ዝነበረ ኣካይዳ’ቲ ገባቲ ስርዓት ኣብ መድረኽ ናይዚ ሰላም እውን በይናዊ ሱጉምቲ ምውሳድ፡ ከምቲ ኣብ ቁሩብ ዓመታት ንባሕርታት ኤርትራ ንባዕዳውያን ዘረከቦ እተን ዝተረፋ እውን ነዚኦም ንምርካብ ምስቲ ንዓመታት ዶብና ሃጊርና ዝጸንሓን ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከዳምዮ ዝሓገዮ፡ ኣብ መዓልቲ ርክቡ ንሰላም ብኣይ-ከሰረናን ዝብል ናይ ደስታ ዳንኬራ፡ መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ብምሕካኽን ተደቢስና ኢና ብምባል ንህዝቢ ዘሽካዕለሎን፡ ንፍርቆም ፈተውተይ ንፍርቆም ጸላእቲ ኤርትራ ብዝብል ሓረጋት ብምስማይ ናብ መንገዲ ጥፍኣት ደኣ እምበር ናብ ሰላምን ዴሞክራስን ከምዘይብጽሕ እቲ ኩሉ ደላይ ፍትሒ በጺሕዎስ ድሮ‘’ይኣክል‘’ዓገብ ብምባል ብተግባር ዝምስከሩ ዘለዉ፡ ኣቐዲሞም እውን ነዚ ብምርዳእ ገንሸል ደቂ ህዝቢ ዝኾኑ ከም ወዲ ዓሊን ሓጅ ሙሳን ቢትወደድን ብርሃነ ኣብርሄን ካለኦትን ክዓግቱ ፈቲኖም እዮም።

ንተግባራት እዚ ግበታ ስርዓት ኩሉ እንተ ብዘይ ርዲኢት ክስዕብ ዝጸንሓ እውን ደው ኢሉ ዝሓስብሉን ይኣክል ዝብለሉም መድረኽ ምህላውና ብምስትብሃል፡ ሕጂ እውን ንምምካቱን ንህዝቢ ንምድሓንን እንታይ ተገብረ ዝብል ነዚ ንምምላሽ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማህደር ታሪኽ ኣቦታትካ ብምምላስ ከምቲ ቀዳማይ ሱዉእ ኤርትራ ኣቦና ሸክ ዓብደልቃድር ከቢረ ኣብ እዋን ንእስነቱ << ካብ ሽሕ ዓመት ውርደት ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ይበልጽ >> ዝብሎ መሰልን ክብረትን ብቓልሲ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ነብሱን ብጾቱን ብኒሕ ዝነቐሎ ንቕሎ ምንዳይ ዝተስላለት ናጽነት፡ ንስኻ ኸኣ ነቲ ኣብ ዝባንካ ዘሎ ውጽዓ ጠለምቲ ውሽጣዊ ባርነት ንምእላይ ታሪኽ ኒሕን እምቢታት ቕርሲ ኣቦታት በርቢርካ እምቢ ንምልክን ባርነትን እምቢ ንሕሱር ባርነት ሕሱም ጊላነት ነታ ትዓኑ ዘላ ቤትካ ቤት ፍቕሪ ቤት ክብረትን ቤት ጽውነትን ቤት ሓድነትን ቤት ኩሉ ሰናይካን ምእንታኻን ምእንታኣን ዝሓለፈ ፍቑራትን ረዘንትን ሰማእታት ራሕሪሕካ በቲ ንኽትዛረበሉ ተምሳጥ ዘይብሉ መሪርን ኣሰቃቕን ጉዕዞ ስደት ኣቢልካ ኣብቲ ቤት እንዳማትካ ርዝነትካ ነኪኻ ከም ዝበሉኻን ከምዝደለኻዮን ዘይምቹእ ናብራ ከብቅዕ፡ ብምኽኒያት እዚ ረዚን ዕለት ሓድነትካ ብምድልዳል ይኣክል ከተድምጽ ንምሕጸን።

በቲ ሓደ ሸነኽ እውን፡ ኣብዚ ንመዓልቲ ናጽነትና እንዝክረሉ እዋናት ኣብዛሓ ውድባት ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ካብቲ ዝነብረ ኣወንታዊ ሕሉፍ ተመክሮ ተበጊሰን ነቲ ዝብጻሕ ዘይመስል ዝነበረ ብዘተ ፍልልያት ምጽባብ ከምዝካኣል ብነዊሕ መሪርን ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዝበጸሖኦ ነቲ ናይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ መርሆ ብምኽታል ክሳብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝበጻሓሉን ትማል እውን ነታ ተሪፋ ዝነበረት ናይ ብዙሕ ኢድ ኣእታውነት ዘቆማጣዓ ዝነበረ፡ ብመድረኽ ተሰጊራ እውን ነዚ ጽላል ብሓባርን ብወለንታን ካላኣዊ ፍልልያት ብምስጋር ብሓባር ንቃልሲ ክወፍር ዘክእሎ ዕዉት ካልኣይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ምክያዱ ይፍለጥ፡ ካብዚ ብምንቃል ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ዝተረፈ ሓይልታት ብምጥማር ነዚ ኣፍ ሞት ዘሎ ግበታዊ ስርዓት ዳግማይ ከምዘይትስእ ንምስባሩ እቲ ኣንኮ መፍትሒ ሓድነት ደለይቲ ለውጢ እዩ ብምእማንን፡ እንኮ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝክኸውን ብምባል’ዩ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዘይሕለል ቃልሱ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ከበስር ዝጽዕት ጽላል ንምዕዋቱ ዝተገሄ፡፡

ሰልፊ ናህዳ ነዚ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ኣብ ቃልሱ ካብ ዝራኣዮም ተሞክሮታት ብቀንዱ ከም ዓገትን ዓንቀፍትን ኣብ መስርሕ ድማ ኣብ ደምበ ፍትሒ ኣለና ዝብሉ ናይቲ ስርዓት ኣውራታት ዝፍለጡ ግን ከኣ ገና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተናስሑ፡ ዳግማይ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሽንኮለል ንምእታውን ተመሊሶም ናይ ምምራሕን ሕልምታት ዘሳስዩን፡ ነቲ ካብ መንቀሊኡ ኣንጻሮም ዝተላዕለ ኣብ መደባት ናይ ሃገራዊ ትሕተ ሃገራውን ብምምዳብን፡ ካብ ኬንያ ዝጀመረ ተጻቦታት ተመዝጊቡ ምህላውን፡ ብኻልእ ሸነኽ እውን መስራሓት ተጻቦኦታትን ናይ ኩለን ሓይልታትን ወለንታ ንሓድነት ንክረክብ ከይደቀሰ እንዳሰርሓ ኣብ ውሽጡን ናትካ ኢና እናበሉ ብምትላል ዘይናቱን ዘይቀደውቱን ጉጅለ እንድፈጠሩ ኣብ ዝባኑ ተሰቒሎም ዕላሙኡ ክጨውዩ ዝፍትኑ እንዳጋለጸ፡ ነቲ ኣብ ደምበ ታቓውሞን ኮይኖም ብደመ-ርሃጹ ዘሽካዕልሉ ዘለዉ እዉን ብምኹናን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምውሓስ ሎሚ እውን ከቢድ ቃልሲ ብምክያድ ናብዚ ሃገራዊ ባይቶ ኣበርክቱኡ ዘዕዘዘ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣብዚ ኣጋጣሚ ብምግባር እውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዘቕርቦ ጻውዒት ነዚ ሃገራዊ ባይቶ ብኩለንተና ክነደንፈዖን፡ ካብ ንዓኻ ደላይ ፍትሒ መሲሎም ክመቓቕሉኻ ዝመጹ ተበለጽቲ ብንቕሓት ብምክትታልን ከተቃልዕዎም ብምዝኽካር፡ ኣብ`ዚ ዘለዎ ባርነታዊ ሂወት ኮይኑውን ነዛ ረዚን ክብሪ ዘለዋ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ብምዝካር ህዝቢ ኤርትራ ድሕነት ሃገርካን ሕጂውን እቲ ኣብ ኩለንተናዊ ጉዳያት ብሱል ኣተሓሳስባ ዝውንን መዛኒ ሓሳባት ዘፍልቕን፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ህዝቢ እተኽብር ሃገር ንምውናን ኣብዚ መኸተምታ ክርከብን ስላምን ፍትሕን ኩሎም መሰላት ሓርነታትን ዝረጋገጸላ ሃገረ ኤርትራ ክንውንን በዚ ግፍዕታት ንክሕንኮኽ ዓጋቲ ክረክብ ኣስካሕካሒ ተግባራቱ ንምብቃዕ ብዘይ ምፍልሳይ ንፍትሒ ንዋደቕ ይብል።

ደጊምና ብዘይ ህዝቢ ሃገር፡ ብዘይ ሃገር ከኣ መንነት ስለ ዘይህሉ፡ ነቲ ንህላዌ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይኹን ንመላእ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዓቢ እዋናዊ ሓደጋ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምድሓን፣ ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምህናጽ ዕማም ኣብ እንግድዓ ነፍሲ ወከፍና ዝተጻዕነ ታሪኻዊ ጾር ምዃኑ ክንቕበል ይግባእ። ንመበል 28 ዓመት ዝኽሪ ጽንብል በዓል ነጻነት 24 ግንቦት 2019 ከነብዕል ከለና፡ ብመንጽር’ዚ ዝተሰከምናዮ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ፡ ንህልው መድረኻዊ ብድሆታት ንምስዓር፡ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶና ብምዕዛዝ፡ ህዝብን መጻኢ ወለዶ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ስልጣኖምን ክብርታቶምን ዝኾኑላ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ፡ ብግብሪ ዝሳነ መብጽዓ ክንኣቱ ይግባእ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ብዕምቆት ብምስትብሃል“ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምባል፡ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ቅሩብ ምህላዉ የረጋግጽ፡፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቲ ኤርትራን እንኳዕ ኣብጻሓና ይብል! ጥሉል ክራማት ድማ ንህዝብታት ኤርትራ ይምነ።

ግዴታዊ ምጽንባር ብሄራት ኣይንቕበልን!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

24 ግንቦት 2019

We use cookies to improve our website. More details…