መግለጺ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ብምኽኒያት ባሕቲ ጥሪ 2020

 

 

መግለጺ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ብምኽኒያት ባሕቲ ጥሪ 2020


ባሕቲ ጥሪ ታሪኻዊት መዓልቲ ምምስራት ሰልፊ ትሳንኤ(ናህዳ) ኤርትራ እያ ፡ ከም ወትሩ ኣብዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ታሪኻዊ ቃልና ኣብ እነ-ሓደስሉ ኣጋጣሚ ድማ ነዚ ተልእኾና ብዓወት ንምፍጻሙ ኣብ ርእሲ’ቲ ከም ኣባላትን መሪሕነትን እንገብሮ ዘይሕለል ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ንመጻኢት ብርህትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ተወሳኺ ጻዕርን ድኻምን ምድግጋፍ ናይ ኩሉ ውጹዕ ኤርትራዊ እውን ከምዘድሊ ንኣምን። እንትምንታይ ህዝብዊ ገስጋሲ ሰልፊ መስርሕ’ዩ ፡እቲ መስርሕ ክቕልጥፍ ወይ ክዝሕትል ፡ንድሕሪት ክዕጸፍ ወይ ንቕድሚት ክግስግስ ፡ኣብ መወዳእታ ከኣ ክዕወት ወይ ክፈሽል ዝውስን ፡ እቲ ንሱ ዝተሰከሞ ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራን ጽንዓትንትን ብስለት ኣባላቱን ብቕዓት ፡ህዝባዊ ወጋናውነት ፡ተሓታትነት ፡ተወፋይነት ዘለዎ ኣመራርሓን ንሱ ዝቐርጾ ስትራተጂታት ፡ፖሊሲታት ፡ግብራውነት ኣፈጻጽሙኡን ጥራይ ዘይኮነስ ቀድንን ዓንድን ናይ ውጹዕ ህዝቢ ምዕሳልን ደገፍን ባርኮትን ክሕወሶ እንከሎ ፡ሰልፊ ደረጃ ብደረጃ እናማዕበለን ናህሪ እንዳወሰኸን ኣብቲ ዝድለ ዓወት ከምዝበጽሕ ኣየጠራጠርን ስለዝኾነ’ዩ ።
ዝኸበርኩም ብጾት
ድሕሪ ውልደቱ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እምንቶ ተሓንጊጡ መደምደምታ ቃልሱ ንምብጻሕን ብዓወት ንምዝዛሙን ኣብ ክልተ መድራኻት ፈላሊዩ ኣቐሚጥምዎ ምህላዉ ንሶም ድማ ግድን ክሕለፉ ዘለዎም መድረኽ ከምኾኑ’ዩ ዝርኢ። ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ምርብራብ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ግበታዊ ስርዓት ዘተኮረ ኩለመዳይ ቃልሱ ኮይኑ ነዚ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ድልየት ህዝብታት ዝመሰረቱ እተፈላለየ ሓሳባት ዘሰተኣናግድ መድረኻት ቃልሲ ብምጉሁሃርን ብምኽፋትን ብሱል ተረዶኦን ምርድዳኣትን ብምግባርን፡ ብኹሉ ዓቕምና ብምውፋርን፡ ነቲ ስርዓት ካብ እንግዳዕ ውጹዓት ንምእላዩን ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ካብ ዘካየዶም ቃልስታት ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሰልፍና ዝሓፈሶም ዓወታት ቃልሱ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን ፡እቲ እንኮ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ ግን ፡እቲ ንኩሉ ፖለቲካዊ ወጽዓታት ገበቲ ንምምካት ኣሚኑ መሰሉ ብቓልሲ እምበር ብምጽዋት ከምዘይርከብ ኣስሚሩ ነዚ ገስጋሲ ሰውራ ምብቅዑን ቀጻልነቱ ኣብ ቃልስን ድሕሪኡን ንምውሓሱ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ዝተበገሰ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ በር ተስፋ ዘንጸላለወ ሰውራ ኣኽሪያን ፡ዝተኸፈሎ ከቢድ ዋጋን፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ስልፊ ናብ ዓወት ንምብቅዑን ታሪኹ ክስነድን ኣብ ከቢድ ቃልሲ ከምዘካየደ ይፍለጥ ፡ብጎኑ ድማ ነቲ ሓድነታዊ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክስዊሲያዊ ለውጢ እንተኾነ እውን ኣብ ምስማሩን ኣብ ምቅርራብን ዝወሰዶ ድልየትን ህንጡይነትን ናይ ሓባር ቃልሲ’ዩ፡ ፡ብድምሩ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ኣረኣእያ ኮነ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ጉዕዞ ዓመታት ሰልፊ ብዓወትን’ዩ ብልጸትን’ዩ ዝመዝኖ።ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ኣብ መስርሕ እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ነቶም ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ፋሕ ዝበሉ ሓይሎም ብኸንቱ ካብ ዘባኽኑ ኣብ ሓደ ኣድማዒ ናይ ሓባር ቃልሲ ዘቕርብ ንህልውን መጻእን ቃልስና ንቕድሚት ዘሰጉም ንህዝብና ተወሳኺ ሓይልን ተስፋን ዝህብ ናይ ሓድነታዊ መስመራት ይኹን ቃልሲ ኣብ ምስራሕን ምቕርራብን ሓይልታት ማሕበራትን ከይተሓለለ ምስራሕ ኮይኑ ፡ እቲ ካልኣይ መድረኽ ድማ ክንዮ ውቀት እቲ ስርዓት ንሓባራዊ ነባሪ ሰላም ህብዝታት ዝኸውን ሃገራዊ ስኒት ንምፍጣር ዘኽእል ሃገራዊ ሓድነታዊ ዕዮታት ንምስራሕ እምነ ኩርናዓት ኣብ ምቕማጥ ይርከብ ።


ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ
ነዚ ዘብለና ቀንዲ ምኽኒያት ፡ ድሕሪ ምልስ ኢልካ ኣብ እትሪኤሉ እቲ ሕርኽርኽ ዝብል ታሪኽ ዘይብሉ ፡ንኹሉ ህዝብታት ኤርትራ ብኽብርን ማዕርነትን ዘሳተፈ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ንነጻነት ኤርትራ እንኮ ኣጀንዳ ዝሓዘለ ጥሙር ሓይሊ ሰልፍታት ናጽነት ፡ራቢጣ-ኣሊስላምያን ብሙሉእ ሃገራዊ ፍቕሪ ወኒን ፡ምእንቲ ኤርትራዊ ሓድነት ዝተጻወቶ ተራን ፡ ዝስዓበ እውን ማሕበር ሸውዓተን ሓረካን፡ጉዳይ ኤርትራውያን ብልዝብን ዘተን ንምፍታሕ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየደን፡ብምዝካር ንዝገጠሞ ኩርኳሓት ተጻዊሩ ኣብ ወሳኒ እዋን መንገዲ ቃልሲ ብምቕያር ንብረታዊ ቃልሲ ዝወለደን ክሳብ ናጽነት ኤርትራን ክኒኡን ንድፊ ኤርትራን ኤርትራውነት ቤርትራውያንን ዘቐመጠ ፡ንዑኡ ምርኩስ ብምግባርን ነቲ ታሪኻዊ ቃልሲ ንምቕጻልን፡ ኣብቲ እዋንቲ ዝተላዕለ ሕቶ ህዝብን ሲዒቡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሰዓቦ ካብታ ዝነኣሰት መሰል ክሳብ እቲ ዝዓበየ ምምንጣልን ምኽሓድን እንታይነት ሕብረተሰባት ኤርትራ ፡ብቓልሲ ንምምላስ ዝነቐለ ሰልፊ ፡ነዚ ንድፊ ንምትግባሩ ከይተሓለለ ዝሰርሕ ዘሎ።


ዝኸበርካ ተቓላሳይ
እዚ ዝኾነሉ ድማ ሃገርና ኤርትራ ነጻነታ ካብ እንትጎናጸፍ ልዕሊ ርብዒ ዘበን ኣቑጺራ እኳ እንተሃለወት ሉኡላዊት ሃገር ካብ ምእዋጅን ተራ ሃገራዊ ናጽነት ካብ ምርግጋጽን ንላዕሊ ክከይድ ዘኽእሎ ዲሞክራስያዊ ድሕረ ባይታ ኣየርኣየን ። ይኹን እምበር እቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእታዊ ዝተቓለሰ ካብ መጀመሪያ ኣርባዓታት ኣትሒዙ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብምቕማጥ ብወሳኒ መልክዑ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ተራኡ ተጻዊቱ ነዚ ሃገራዊ ነጻነት በቂዕዎ እኳ እንተበልና ፡ ካብዚ ንድሕሪት ኮረሻ ስልጣን ዝተወጠሓ ጉጅለ ግበታዊ ስርዓት ግን ገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛኢ ጉጅለ ተሰጋጊሩ ፡ፈታዊ ዘይኮነስ እስትራተጂካዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ኮይኑ ዝርከብ፡ ከሙኡ ስለዝኾነ ኸኣ ንምዕባለ ሃገርን ህዝብን ዓጊቱ ፡ናይ ምንቁልቛል መንገዲ ተኸቲሉ ክጸድፍ እንተዘይኮይኑ ፡ናይ ኣሉታዊ ታሪኽ ተሓንጊጥካ ንቕድሚት ክምርሽ ዘኽእሎ ወሽጣዊ ባህሪን መንነትን ስለ ዘይነበሮን ዘይብሉን ነቲ ኤርትራዊ ናጽነትን ሃገራዊ መንነትን ብጸቢብ ረብሓታት እናቓናየ ክብርዞን ከዳክሞን ዝካኣሎ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ብጋህዲ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ፡ ድሕሪ እቲ መድረኽ ምስ ኢትዮጵያ ዛተወ ናይ ሰላም ስምምዕ ብዝብል ስም ዝጠመቆ ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንምእታው ይደናደን ምህላዉን ድሮ እውን ነቲ ደም ሱዉኣት ዝኸፈልናሉ ዕላማ ኮነ ንሃገርና ዘቖመ መቖምያታት ብምጥሓስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከም ነፋሓቶ እንዳተቐያየረ ንምንዋሕ ስልጣኑ ጥራይ ዝጠቕሞ ሃገር ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ሂቡን ክህብን ይራኣ ኣሎ መራኣያ ናይዚ ድማ ብዓለም ዝተፈርደ ሉኣላውነት ሃገርና ኮነ ቀያሕቲ ዝተኸፍሎ ወደብ ዓሰብ መጣሊዒ ይገብሮ ምህላዉን ራኣዩለይ ዘድልዮ ምስክር ኣየድልዮን ።
ስለዝኾነ ድማ ሎሚ እውን ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2020 ኣብ መዓልቲ ልደት ሰልፊ መንቀሊኡን መላዓሊኡን ምኽኒያት ድሕሪት ምልስ ኢልና ከመይ ተበጊሱ ፡ ንምንታይ ተላዒሉ እንታይ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ ፡ከመይከ ሰጊርዎ ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ዘይኮነስ ነቲ ዝደልዮ ዓወታት ንምጭባጥ ብጽንዓትን ተወፋይነትን እምበር ብለማጽ መንገዲ ዝብጻሕ ከምዘይኮነ ኣብ ንቕሉኡ ኣሚኑ ዝተላዕለ ምንባሩ’ ብምዝካር ዝተሰከሞ ረዚን ሓላፍንነት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓበይቲ ተስፋታት መስተርሆ ህዝቢ ኤርትራ ጥርዚ ዝብጻሓሉ ብሙዃኑ ብምእማን ዓመት መጸ ኣብ ምጅማር ወርሓ ጥሪ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ን፡ ህዝቢ ኤርትራን ዝዓበየ ቦታ ከምዘለዋ ብምዝካር ፡ነዛ ውጺኢት ደበስ ነዊሕ ናይ ወጽዓ ዓመታት ዝኾነት ታሪኻዊ መዓልቲ ንቕሓት ህዝብና ዝተንጸባረቀሉ ፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ሕቶታና ንምምላስ ድልውነቱ ብተግባር ዘረጋገጽናላ፡ብመለኽቲ ዝተጨፍለቐ መሰል ብዘይ ቃልሲን መቃልስትን ከምዘይርከብ ከም ቀንዲ ዋኒኑ ወሲዱ ዝተበገስናላ ዕለት ፡ ሕጂ እውን ነቲ ግበታዊ ስርዓት በጺሕዎ ዘሎ ናይ መን ከማይን ሃገር ምጥፋእን ብግብሪ ንምስዓሩ ናብ ሕግ ንምቕራቡን ሕጂ እውን ኣብ ኣሰሩ ምህላውና ነረጋግጸላ ዕለት’ያ።


ኣብ መደምደምታ
ብምክኒያት እዚ መዓልቲ ጀማሪ ምንዳይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልስና ዝኾነ ክቡር ዕለት ባሕቲ ጥሪ ክንድቲ ዝተነበሮ ተስፋን ዘሰከምና ረዚን ናይ ሓርነትን ክኒኡን መስተርሆ ሃገርናን ህዝብናን ሓላፍነት ፡ ብማዕርነትን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምብጹሑ ፡ነቲ ዝስገር ዘይመስል ህሉው ፖለቲካዊ ኩነት ሃገርናን ሶንኮፍ ኣተሃላልዋ እቲ ግበታዊ ስርዓት ፡ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብምስጋርን ብሙሉእ እምነት ነቶም ብውሽጣውን ግዳማውን ዝበዱሁና ፡ከምተሞክሮ ቃልሲ ብምውሳድን፡ሓቀኛ ቃልሲ ቀዳሞት ብምድጋም ምዚ ዓጋቲ ዘይብሉ ነቒሉ ዝርከብ ገስጋሲ ሰልፍና ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፡ሙሉእ ሓርነት ፍትሕን ዲሞክርስን ዝሕላገታ ሰላማዊት ኤርትራ ከም እነምጽእ ኣይንጠራጠርን ። ኣብ መዛዘሚ መግለጺና ድማ ጥሉልን ሰናይን ሓድሽ ዓመት 2020 ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምነ ።

ጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ
06 ጥሪ 2020

 

 

Top
We use cookies to improve our website. More details…