ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ነዚ ናብ ከተማታት ኤርትራ ዘቅነዐ ናይ ተወጫፊ መጥቃዕቲ ብጥብቂ ይኽንኖ

Print

 

 

                                

ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ነዚ ናብ ከተማታት ኤርትራ ዘቅነዐ ናይ ተወጫፊ መጥቃዕቲ ብጥብቂ ይኽንኖ

ዕለት 27 ሕዳር 2020

እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ኢትዮጵያውያን ሓይልታት፣ ማለት ብዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ብህወሓት ብዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሰራዊቱን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ብመሰረቱ ክጅመር ዘይግብኦን ክግታእ ዝነበሮን ኢዩ። ኲናት ዝኾነ ፍታሕ ከምጽእ ስለዘይክእል፣ ተኹሲ ደው ኢሉ፣ ተጻብኦታት ኪቋረጽን፣ ክልቲኦም ወገናት ፍልልያቶም ብሰላማዊ ዘተ ክፈትሑን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ (ብኩሉ ወገናት) ዝወርድ ዘሎ ስደት፣ ህልቂትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ደው ክብል ንጽውዕ።  

ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ንመበል ካልኣይ ግዜ፣ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ኤርትራ ናይ ተወንጫፊ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ይፍለጥ። ኣቐድም ኣቢሉ፣ ናብ ኣስመራ ዝተወንጨፉ ኣስታት 3 ሚሳይላት ምንባሮምን ዝዝከርዩ። ብምኽንያት ዚ ስርሒት ብርክት ዝበሉ ንብረትን ኣባይትን ዜጋታትና ኣዕንዩ። ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ሓይልታት መንግስቲ ክልልላዊ ትግራይ ነቶም ሚሳይላት ናብ ኤርትራ ከምዝተኮሶምን፣ ኣብ ቀጻሊ ውን ካልኦት ክትኩሱ ምዃኖም ብወግዒ ገሊጹ። እዞም ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ዚነብረሎም ከባቢታት ብሃውሪ ምትኳስ፣ ዕላምኡ ዘይፍለጥን፣ ኣብ ማእከል ሰላማዊ ህዝቢ ብጻዕቂ ዚነብረሉ ከተማታት ዝትኮስ ሚሳይላት፣ ዝኾነ ምኽኑይ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካዊ ኮነ ስትራተጂካያዊ ረብሓ ዘይብሉ ኢዩ። ብኣንጻሩ ንሰላምዊ ህዝቢ ራዕዲ፣ ሹቕራረን ታህዲድን ዝዘርእን፣ ንርግኣት ከባቢናን ዞባን፣ ታሪኻዊ ዝምድናታት ህዝቢ ዝጎድእን ተግባር ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ብጥብቂ ንኹንኖን፣ ብቕጽበት ደው ንኽብልን ጻውዒትና ነቕርብ። ከምዚ ዚኣመሰለ ተግባር፣ ኣብ ርእስቲ ዘምጽኦ ወተሃደራዊ ረብሓ ዘይምህላዉ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን፣ ንድሕነትን ሰላምን በርገሳዊ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኢዩ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክፍለጥ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኾነ መለክዒ ተሳታፋይ ናይዚ ውግእ ዘይምዃኑ እዩ።

ብተመሳሳሊ፣ እዚ ኲናት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዩ። በዚ መሰረት፣ ንኹሉ ካብ መሬት ኤርትራ ተበጊሱ ኮነ ተደጊፉ ዝትግበር፣ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ናብ ክልል ትግራይ ዝቐንዐ፡ ዝኾነ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ቅኑዕ ስለዘይኮነ፣ ብጥብቂ ንኹንኖን ብቕጽበት ደው ንኽብል ንጽውዕ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ (ናህዳ) ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዚካየድ ዘሎ ኲናት ሕድ-ሕድ ኣመልኪቱ ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረኮም፣ ው/ሕ/ሃገራት፣ ው/ሓ/ኣፍሪቃን፣ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕ/መ/ኣሜሪካን ዝቐንዐ ሰፊሕ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ዚዝከር ኢዩ።  

We use cookies to improve our website. More details…