ሃገርና ልኡላውነትናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን! ንኤርትራዊ ሽግር ኤርትራዊ ፍታሕ!

Print

 

 

ERPJ  Media logo

            

ሃገርና ልኡላውነትናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን! ንኤርትራዊ ሽግር ኤርትራዊ ፍታሕ!ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ‘ቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዘካየዶ ዘይሕለል ፖለቲካዊ ብረታውን ዲፕሎማሲያውን ቃልስታት ብፍረ መስዋእቱ ናጽነቱ ተጓናጺፉ‘ዩ። እዚ ብረዚን መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ፣ ማለት ናይ ኣሽሓት መስዋእቲ፣

መውጋእቲ፣ ምስንካል፣ ማእሰርትን ስደትን፣ ከምኡውን ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዝጨበጦ ዓወት፣ ፈለማ መሬታውን ህዝባውን ናጽነት፣ ስዒቡ ከኣ፣ ብመገዲ ሕጋዊ ረፍረንዱም ንሉኣላውነቱ ሕጋውነት ኣልቢሱ ብምርጋግጽ ዛዚሙዎ እዩ። ይኹን‘ምበር ህዝብና ነዚ ብፍረ ቓልሱን መስዋእቱን ዘውሓሶ ናጽነትን ሉኣላውነትን፣ ብሓርነት ብሰላምን ብምሉእነትን ከስተማቕሮ፣ ብደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ክነብርን፣ ንነብሱ ባዕሉ ብዝመረጾ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣቚሙ፣ ክመሓደር ኣይተዓደለን።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ህዝብና ሓርነቱን መሰሉን በቶም ደቀይ እዮም ዝበሎም፣ ግን ከኣ ነቲ መቓልስቶም ዝነበረ ሰፊሕ ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝብን ኣዘንጊዖም ስልጣን ብሒቶም ዝጨበጡ ጉጅለ ተጨውዩ።
ሃገርና ኤርትራ፣ ካብ ኩሉ ንቡር ሕጋዊ ምሕደራ ተሓሪማ ኣብ ኣፍደገ ዕንወት ትርከብ ኣላ። ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ምስ እንዕዘብ፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት ብዝኽተሎ ዓፋን ኣካይዳ፣ ህዝቢ ከምተን ካልኦት መዛንኡ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልእን ዝርአ፣ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ኣልዒሉ ንመሰሉ፣ ብዝተፈላለየ ብናይ ሰላማዊ ሰልፍን ካልእን ኣገባብ ክቃለስ ዕድል ኣይረኸበን። ነዚ በብዕለቱ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ሽግራት ሃገርናን ህዝብናን ንምፍታሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናጽነቱ ኣብ ምምጻእ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ዓቕምን መሃዝነትን ተጠቒሙ፣ ብመስዋእቱ ናጽነቱን ሉኣላውነቱ ዘረጋገጸ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ፣ ንኤርትራዊ ሽግራት ኤርትራዊ ፍታሕ ብዝብል መትከል ጸኒዑ ቃልሱ ክቕጽል ይግባኣ።


ይኹን እምበር ንህሉው ማሕንቖታትና፣ ንቃልዓለምን ፕሮቶኮላዊ ኣዘራርባን - ገዲፍና ብዕቱብነትን ብጋህድን ምስ እንግምግም፣ ድምበ ተቓውሞ ኣብ ቅድሚኡ ዓበይቲ ብድሆታት ተገቲሮም ምህላዎም ንዕዘብ። ገለ ካብኦም፣ እቲ ብደላይ ፍትሒ ዝፍለጥ ሰፊሕ ግን ከኣ ሓያል ጥርናፈ ዘይብሉን፣ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ባእታታት፣ ገለ ካብኦም ዘይሃገራውን ናይ ምንብርካኽን ኣንፈት ዝሓዙ ውድባትን ምንቅስቕሳትን ማዕከናት ዜናን ሓቚፉ ይሳለ ምህላዉ እዩ። እዚ ሎሚ ብጋህዲ እንዕዘቦ ዘለና ኩነታት እዩ። ከም ደለይቲ ፍትሒ ውሽጣዊ ድኻማትና ኣነጺርና ከነቐምጦ ይግባእ።


ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ውድባት ከምቲ ንኣስታት 25 ወይ ልዕሊኡ ዓመታት ዝጸንሐ ካብ ጥርናፈን ምትእእኻብን ርሒቐን በብግዝይኡ ጌና ክራብሓ ክንርኢ ጸኒሕና ኣለና።
በቲ ሓደ ሸነኽ ካኣ ውድባትን ጽላላትን፡ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲ ለውጢ ዝኣመስሉ ንልዕሊ 20 ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ዝሓቁፍ ጽላል ምህላዉ ክጥቀስ ዝግብኦ እወንታዊ ፍረ ቃልስና እዩ። ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ዘዋፍሮ ዘሎ ጽዕሪ ንምስፋሕ ጥርናፌኡ፡ ዝናኣድን ክታባባዕ ዘለዎን ጉዳይ ኮይኑ ግዜ ከወሰድካ ክትግበር ዘለዎ እዋናዊ ዕማምእዩ።


ከምኡው እተን ኣብ ግዳም ዘለዋ ሲቪካዊ ማሕበራትን ተታበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ከምኡ‘ውን ብስም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፋ ምትእኽካባት ምህላወን ርዱእ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ እቲ ጥርናፈታት ሓቢሩ ዝሰርሕ ዘይኮነስ ነናቱ መስመርን ኣካይዳን ዝኽተል ምዃኑ ካልእ ተወሳኺ ዘሰክፍ ኩነታት እዩ።
ኣብዚ እዋን ብፍሉይ ኣተኩሮን ህጹጽ ፍታሕን ዘድልዮ ግድል ግን፣ እቲ ብሓያሎ ኣብ ደምበ ፍትሒ ክነጥፋ ዝጸንሓ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቕሳትን ማዕከነት ሜድያን ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ መስመር ተኸቲለን ንኤርትራዊ ብድሆታት ኤርትራዊ ፍታሕ ተኣማሚነን ዝቃለሳ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓቂ ምኽሓደን እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኤርትራውያን ምምርኳስ፣ ኣብ ናይ ግዳም ሓይልታት ብፍላይ ናብ ጎረባብቲ ሓይልታትን ሰራዊትን ተኣማምኒካ፣ ኣብ ልዕሊኦም ተሓንጊርካ ንውሽጣዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብምህራም ስልጣን ንምጭባጥ ዝግበር ዘሎ ፈተነን ምትእኻብን ኣዋጃትን ዘስደምም ታሪኻዊ ክሕደት እዩ።
ናይ ባዕዲ ሓይልታት ዝቆጻጸርዎ ወይ ኣብኦም ተሞርኲሱን ተሓንጊሩን ዝካየድ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፣ ንገዛእ ዓቕምኻ ምንእኣስን፣ ንባዕዳዊ፣ ምትእትታውን ዕንወትን ኣፍደገ ምኽፋት እዩ። ዝኾነ ግዳማዊ ሓይሊ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ይምጻእ፣ ንሃራዊ ሓይሊ ክትክእን ብዘይ ፍሉይ ረብሓን ኣጀንዳን ክሕግዝ ከምዘይክእል ታሪኽ ኣስፊሑ ምሂሩና እዩ።


ብፍላይ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፍነዉ ምንቅስቓሳት ንቓልስና ብፍሉይነት ምድኻሞም ዘይከሓድ እዩ። ህወሓት ኮነ ካልእ ናይ ትግራይ ሓይሊ፣ ወይ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ወይ ሱዳን ወይ ናይ ካልእ ሃገር ሓይሊ -እንተ ሃሊዩ- ንተራን ዕማምን ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ተኪኡ ክቃለሰልና፣ ወይ ኣብ ጎንና ክስለፍ ምጽባይ፣ ወይ እውን ምስኡ ሓቢርካ ንገዛእ ሃገርካ ኣሕሊፍካ ምሃብን፣ ንሃገራዊ ሰራዊትን ትካላትን ምዕናውን፣ ዘይክውንነታውን ናይ ክሕደት መርገጽን እዩ። ምስ ኤርትራ ነዋራርዶ ሕሳብ ኣለና፡ ከምኡ ውን ብዓለም ለኻዊ ብይን ብምስምማዕ መንግስትታት ኤትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ፡ ባድመን ከባብን ዘካተተ ኣካል ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘረጋገጸ ውሳነ ዝብድህ ሓይሊ ኣምሪሕካ ልዕሊ ኹሉ ካኣ ቀይሕ ባሕሪ ዓሰብ ብሓይሊ ብረት ንኤርትራ ኣምበርኪኽና ክንምንዝዓ ኢና ዝብል ጀነራል መሪሑካ ንኤርትራ ምኻድ፡ ምስ ክሕደት ሃገር ዝዳረግ ፖለቲካዊ ኣምር እዩ።


እዚ ብሃገራዊ ክሕደት ክርአ ዝግብኦ ኣካይዳ፡ ከም ተራ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፣ ወይ ዝኾነ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፣ ዝማእምኦ ርእይቶ ክሕዝ መሰሉ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ፣ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ሃገርካ ዕንወትን ጥፍኣትን ምእዋጅ እዩ። ናይ ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ካልእ ኣህጉርን ዝርከቡ ህዝባዊ ምንስቅስቓሳት ኣብነታት፣ ከም ሊብያ፣ ሶርያን ሊባኖንን ካልኦትን ከም ኣብነትን መምሃርን ክጥቀስ ይከኣል‘ዩ።


ንሕና ከም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፣ ከም ውድብ -ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ- ነዚ ዘይሃገራዊ መስመር ኣትሪርና ንነጽጎ። ንውሽጣዊ ሽግራትና፡ ማለት ምእላይ ምልካዊ ስርዓትን ምምስራት ብግዝኣተ-ሕጊ ዝመሓደር ደሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓትን፣ ከምቲ ኣብ ምምጻእ ሃገራዊ ናጽነትን ሉኣላውነትን ዝገበርናዮ፣ ብገዛእ ዓቕምና ከነካይዶ እኹል ዓቕሚ፣ ትብዓትን ተወፋይነትን ኣለና ኢልና ንኣምንን፣ ኣብኡ ተመርኲስና ንሰርሕን።


እቲ ዝድለ፣ ኣብ ህዝባናን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ተኣማሚንና፣ ከምኡ‘ውን ነቶም ንጹር ሃገራዊ መስመርን ጸረ ባዕዳዊ ምትእትታው ዝኣምኑን፣ ብእኡ ተመሪሖም ዝሰርሑን፣ ውድባትን ጉጅለታትን ምንቅስቓሳትን ውልቀ-ሰባትን፣ ወዘተ. ምስ ናይ ውሽጢ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ተጠርኒፍካ ብሓባር ምስራሕ እዩ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቅኑዕ ተበግሶታት፣ ዘተን ኣኼባታትን ካልእ ፈተነን ከኣ፣ ብዘይውዓል-ሕደርን ግዜ ብዘይምብኻንን ክድፈኣሉ ዘለዎ እዋናዊ ሃገራዊ ዕማም እዩ።


ባዕዳዊ ሓይሊ ንሃገርና ከጥቅዕ፣ ኣብ ሃገርና ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣልዩ ስልጣን ከረክበና ብምዕዳም፣ ሃገርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን! ንኤርትራዊ ሽግርን ብድሆታትን ብውሽጣዊ ኤርትራዊ ዓቕምታትን ጥራይ ምፍታሕ! ዝብል ጽኑዕ እምንቶ ኣለና። ልኡላውነት ኤርትራ: ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ሃገራዊ ክብረትና እዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና:
ኤርትራ ሃገርና ንዘላኣለም ከቢራ ትንበር
ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ-

26-12-2021

We use cookies to improve our website. More details…