Print this page

ፓለቲካዊ መደብ ዕዮ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነሓሰ 2016

10 August 2016

Eritrean Nahda Party

1. መእተዊ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ 2005 ድሕሪ ተመስሪቱ ብጥሪ 2006 መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከም ሓደ ፓለቲካዊ ሓይሊ ንኽምስረት ዘገደደ ረቋሒ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕ መግዛእቲ ኣብ ክንዲ ተዓዛቢ ሙዃን ነቲ ጠንቂ ሕሰም ኮይኑ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ካብ ስሩ ንምምሓው ዝግበር ቃልሲ ብኣካል ተሳቲፉ ኣስተዋጽኦ ንምግባር እዩ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ክብገስ እንከሎ ንጹር ዝኾነ ፓለቲካዊ መደብ ዕዮ ሒዙ ናብቶም ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ክነሶም ብጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ሃለዋቶም ተነፊጉ መንነቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣተወ ብሄረ ጀበርቲ ምስ ቀረበ ተቐባልነት ረኺቡ ንስራሕ ክዋፈር ክኢሉ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝብል ስም ብዓረበኛ ኮይኑ ቃል ብቃሉ ብትግሪኛ ክትርጎም እንከሎ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ማለት እዩ። ዕላምኡ ድማ ነቲ ህላውነቱ እንዳ ጸነተ ሕልንኡ ኣዕሪቡ ተስፋ ዝቖረጸ ሕብረተ-ሰብ ኣባራቢሩ፡ ነዚ ፈላላይን ጨቋንን ዝኾነ ስርዓት ካብ ስሩ ምሕዩ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምትካል እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ከም ዘይሓልን፡ እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ንህዝብና ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ሙዃኑን፡ ኣብ ቁጠባዊ ይኹን ከምኡ’ውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ናብርኡ ኣብ ዓዘቕቲ ኣእቲዎ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ሙዃኑ ንማንም ኤርትራዊ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብደረጃ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምዋሕ፡ ቆላሕታ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ውግእ እንዳ ጻሕተረ ንዞናን ብሓፈሽኡ ድማ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ሰላምን ቅሳነትን ከይርከብ ብሓይሊ ዝሰርሕ ዘሎ ሃደገኛ ስርዓት እዩ።

ቀንድን ቀዳማይን ዕላማ ሰልፊ ናህደ ኤርትራ እምባኣር ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ካብ ስሩ ምሒኻ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ተኺሉ ሰላም፡ ፍትሒ ፡ ሓድነትን ማዕርነትን ንምንጋስ እዩ። ነቲ ኣብ ቅድሚት ተሰጢሑ ዘሎ ብድሆታት ንምምካት ጥርናፌኡን ሓድነቱን ኣደልዲሉ ክሰርሕ መተካእታ ዘይብሉ እንኮ ረቋሒ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ዘደልድለሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝተኻፈሎን ዝተቐበሎን ቅዋማዊ ሕጊ ምስ ዝህልው ጥራይ እዩ። እዚ ፍትሓዊ ሕጊ እዚ፤ንሓድነትና ዋሕስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ድሕሪ ለውጢ እንደልዮ ዳግመ-ህንጻ ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ፡ ሰላምን ቅሳነትን ኣብ መንጎ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ምትእምማን ዘሕድርን መሰረታዊ ዓንዲ እዩ ኢልና ንኣምን።

ሰላምን ቅሳነትን ሰፊኑ፡ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣፋላላይ ተሓልዩ፡ ኣብ ሓድ-ሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ብዙሕነትን ማዕርነትን ዝኣምን ሓያልን ሓድነት ዝነገሳ ሃገርን ክትከውን ጽኑዕ እምነትና እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ መድረኻዊ መሰጋገሪ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ስተራተጅካዊ መደብናን ዝያዳ ቆላሕታ እንህበሉን ጉዳይ ግን ነታ ብስርዓት ህግደፍ ዝበረሰት ጸጋታት ሃገርን ዕቁር ሓይሊ ህዝብን፡ ዳግማይ ህያው ንምግባር፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣስተዋጽኦ ዝገብረሉ ባይታ ንምፍጣር እዋናዊ ሕቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ እዩ።

እዚ ፓለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝጸደቐ ኮይኑ፡ ምስ ህልው ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ዝኸይድ፡ ንወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ተሞክሮ ሰልፍና ኣብ ግምት ዘእተወን ብሓያል ህዝባዊ ሱታፌ ዝተማሓየሸን ዝሃብተምን ፓለቲካዊ መደብ ዕዮ እዩ።

ነሓሰ 2016

2. “መሰራተዊ መትከል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ”

1. ሃገራዊ ሉዓላውነት ሓድነት ህዝብን፡ መሬትን ባሕርን ኤርትራን: ኣብ ድሮ ነጻነት ብኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝታኣመነሉ ጆኦግራፊካዊ ዶባት ንኣምን፡

2. መሰልን ማዕርነትን ብሄራትን ቋንቋታትን ኤርትራ ንኣምንን ነኽብርን፡

3. ጀበርቲ ርእሱ ዝኻኣለ ብሄር ሙዃኑ ንኣምን። ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ግዴታዊ ናይ ብሄራት ጽምበራ ውዱቕ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ በሄር በቲ መጸዊዒ ስሙ ክጽዋዕ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ሙዃኑ ንኣምን፡

4. ኩለን ብሄራት ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሰን ቋንቋን ባህልን ንኸመዕብላ ምሉእ መሰል ከምዘለዎም ይኣምን፡

5. ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ እየን። ዓረበኛን ትግሪኛን ዕላውያን ሃገራውያን ቋንቋታት እየን። ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ስራሓት ድማ ዓረበኛን ትግሪኛን ናይ ምሕደራ ቋንቋታት ኮይነን ብማዕረ ንኽትግበራ ሕገ-ምንግስታዊ ግድነት እዩ፡

6. ካብ ኩሎም ፓለቲከውያን ሓይልታት ፍጹምን ርጉጽን ፡ ካብ ዝኾነ ተጽዕኖ ናጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ምምስራት። ቤት ፍርዲ ነጻ ዝኾነ ኣተግባሪ ስርዓተ-ሕጊ እዩ።

3. “ዕላማ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ”

1. ኣብ ቅዋም ዝተሞርከሰ ዲሞክራሲ ፍትሕን ማዕርነትን ሕብረ-ሰልፋውነትን ዝእምነቱ ፓለቲካዊ ስርዓት ምምስራት፡

2. ብሄራት ኤርትራ ቋንቋአንን ባህለንን ንምምዕባል ምምሕዳራዊ ጉዳያት ብቋንቆአን ንኽጥቀማ ምትብባዕ፡ እዚ ድማ መሰል ብሄራትና ኮይኑ ዋሕስ ሓድነትና ዝረጋገጸሉ እዩ፡

3. ቅዋም ዝቕይዶ ዘይሙእኩል ምሕደራ ምኽታል፡

4. ነጻ ዝኾነ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝጠምር ስርዓት ምምስራት፡

5. ዲሞክራሲያዊ ህይወት ዘለዎ ባይቶኣዊ ስርዓት ንኽምስረት ኩለን ፓለቲካውያን ሰልፍታት ብሰላማውን ርትዓውን ኣገባብ ተወዳዲረን ብምርጫ ስርዓት ከም ዝሕዛ ምግባር፡

6. ኣብ ዞባና ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ምስ ኩለን ጉሮባብቲ ሃገራት ኣብ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ሕድሕድ ምክብባርን ዝተሰረተ ጥዑይን ሓያልን ዝምድናታት ንምህላው ብዕቱብ ምስራሕ፡

7. ብህዝቢ ዝተመርጸ በርጌሳዊ መንግስቲ ምምስራት፡ መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጣልቃ ከይኣቱ ብቅዋማዊ ሕጊ ምክልኻል፡
8. መንግስቲ ኤርትራ ዝሙርከሰሉ ሕግታት ምንጩ ካብ ቅዋማዊ ሕጊ ኤርትራ ክኸውን፡

9. ብቕዋማዊ ሕጊ ዝቕየድ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ሕብረ-ሰልፋውነት ዝሰረቱ ፓለቲካዊ ስርዓት ምምስራት፡

4. “ሰብኣውን ዶሞክራሲያዊ መሰላት”

1. መሰል ምውዳብ፡ ምሕሳብ፡ ምዝራብን ምጽሓፍን ከምኡውን ሰላማዊ ተቓውሞታት፡ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል መሰላት ብዘይ ገለ ዕቃቤታት ምሕላውን ምኽባርን፡

2. ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምዕቡል ተክኖሎጂ ብዘይ ገደብ ናይ ምጥቃም መሰል ምኽባር፡

3. ዝኾነ ዜጋ ብዘይ ገበን ዘይምእሳርን ዘይምቕጻዕን፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምፍታሽን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘይሰብኣዊ መርመራታት ዘይምክያድ፡

4. ምስ ሃይማኖት ብዘይራጸም ኣገባብ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋጽ፡

5. መሰል ህጻናት ኣሮጋውያን መንእሰያትን ምኽባር፡

6. ኩሎም ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ቅዋም ንመንግስቲ ምድጋፍን ምቅዋምን መሰሎም ሕልው ኮይኑ ንኽምረጹን ክመርጹን መሰል ይህለዎም፡

7. ነጻ ዝኾነ ንሰብኣዊ መሰላት ንጠበቓ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ሃይማኖታውን ሞያዊ ትካላትን ንኽቆማ ምድጋፍን ምትብባዕን፡

8. ኣብ ኩሉ ምንግስታዊ ትካላት ምምሕዳራዊ ኣካላትን ፍትሓዊ ተሳትፎ ብሄራትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉጅለታትን ምርግጋጽ፡

9. ሃይማኖታውን ታሪኻውን ቦታታት ንኸይጸንቱ ምክልኻል።

10. መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን እምነትን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ወይ ብዝኸነ ምኽንያት ጣልቃ ከይኣቱ። ኩለን ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብማዕረ ይሪኤን።

5. “ቁጠባዊ ፓሊሲ”

1. ንኤርትራዊ ዜጋ ቀዳምነት ዝህብ ብሕታዊ ትካላት፡ ሓባር-ስራሓዊ ንጥፈታትን ከምኡውን ወፍሪ ርእሰ-ማል ወጻኢ ዘተባብዕ ቁጠባዊ ፖሊሲ ምኽታል፡

2. ምስ ጉሮባብቲ ሃገራት፡ ሃገራት ኣዕራብ ከምኡውን ምስ ካልኦት ክፍሊ ዓለማት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሞርኮሰ ምቹእ ቁጠባዊ ኩነታት ምፍጣር፡

3. ብዘመናዊ ስነ-ፍልጠትን ናውቲ-ማእቶትን ዝተሰነየ ኣገባብ ኣሰራርሓ ብምትእትታው ካብ ድሑር ናውቲ-ማእቶት ምጥቃም ንምግልጋል ዝተማዓራረየ ዳይናሚካዊ ዝኾነ ናኣሽቱን ማእከሎትን ከበድትን ኣብያተ-ዕዮ ዘዛነቐ ኢንዳስትሪ ሕርሻ ንኽምዕብል ምቅላስ። እዚ ንኹሎም ኣብ ሕርሻ፡ ምርባሕ ከብቲ፡ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ናይ ኢደ-ጥበባዊ ሞያ ንዝተዋፈሩን ነጋዶን ወዘተ… የጠቓልል፡

4. ኣብ መንጉ ከተማታት ኤርትራ ይኹን ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝግበር ናይ ንግዲ ርኽክባት ግዚያዊ ዝኾነ ናይ መጎዓዓዝያ መርበባትን ትሕተ-ቅርጽን ምህናጽ፡

5. ናአሽቱን ውልቃውን ሓባራውን ትካላት ከምኡውን ተራድኦ (Co-operative) ማሕበራት ክቆማ ምትብባዕን ዘድሊ ሓገዛት ምብርካትን፡

6. ንነጻ ውድድር ዕዳጋ ዘተባብዕ ንግበታ ዕዳጋ ዝቆጻጸር ሕግታት ብንጹር ምቐማጥ፡

7. ምስ ወድዕነት ሃገርና ዝኸይድ ኣብ ሕርሻ መጓሰ ሃብቲ ዓሳ ወ.ዘ.ተ… ምዕባለ ገጠርን ፍሉይ ቆላሕታ ምግባር፡

8. ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ኩሉ ዓይነት ቁጠባዊ ህይወት ሕጊ ብዘፍቅዶ ማዕረ ክኸውን ኣለዎ፡

9. ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወኒንዎ ዘሎ ሃብቲ፡ ብድሕሪ ለውጢ ዝትከል ህዝባዊ መንግስቲ ተወኒኑ ንረብሓ ህዝቢ ከም ዝውዕል ምግባር፡

10. ብዘይ ሕጊ ዝተመንዘዐ ንብረት ዜጋታት ተጸኒዑ ብሕጊ ናብ ዋናታቱ ከም ዝምለስ ምግባር፡
11. ከባቢና ካብ ብከላ ኣየር ንምድሓን ጽዑቕ ስራሕ ምክያድ፡

12. ሃገራዊ ሃብቲ ናብ ህዝባዊ ጥቕሚ ምውዓል፡ ቀዳምነት ድማ ንተቐማጦ ከባቢ ከም ዝኸውን ምግባር።

6. “ሕብረተ-ሰብኣዊ መዳያት”

1. መሰል ሰራሕተኛታት፡ ሳዓታት ስራሕን፡ ናይ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ዶሞዝን ንደረጃ መነባብሮ ብዝማጣጠን ኮይኑ ብሕጊ ይውሰን፡ ብሞይኡን ክእለቱን ናይ ምስራሕ ማዕረ ዕድልን ማዕርነት ዶሞዝን መሰል ከም ዝህልዎ ብሕጊ ምርግጋጽ፡

2. ማዕርነት ዶሞዝ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምርግጋጽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥዕነአን ዝጉድእ ስራሕ ንኸይሳተፋ ምግባር፡ ዶሞዝ ወሊድን ዕረፍትን ብሕጊ ዝተሓለወ ይኸውን፡

3. ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቓ ንቓባዊ ማሕበራት ንኽቆማ ምትብባዕ፡ ስራሕ ኣልቦነት ንምውጋድ ኣድላይ ጻዕርታት ምክያድ፡
4. ትሑት ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት ነጻ ሕክምና ከም ዝረኽቡ ምግባር፡

5. ተጠባበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ክፍልታትን ሕብረተሰብን ንቓባውን ሞያውን ማሕበራት ንኽቆማ ምትብባዕ፡

6. ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሰደቶም ተመሊሶም ዝጣየስሉ መደባት ንምዕዋት ምቹእ ባይታ ምፍጣር፡

7. መሃይምነት ካብ ስሩ ንምጥፋእ ሰፊሕ ወፍሪ ምክያድ፡

8. ንምክልኻልን ምቁጽጻር ሕማማት ቀዳምነት ዝሃበ ሕክምናዊ ፖሊሲ ተኸቲልካ ካብ ኩሉ ከባቢ ምስ መጠን ብዝሒ ሕማማትን ዝዛመድ ናኣሽቱ ሕክምናታት ምቋም፡

9. ኣብ መላእ ኤርትራ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ መብራህትን ንምዝርጋሕ ምጽዓር፡

10. ፍጡን ምጣኔ ሃብታዊ ሞያዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ሞያዊ ፍልጠት ምስ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ተጣሚሩ ዝኸይድ ንጹር መደባት ምስራዕ፡

11. ትምህርቲ መሰረታዊ ህዝባዊ መሰል ኮይኑ ብሓልዮት መንግስቲ ንኽሉ ዜጋ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ምሃብ፡

12. ግላዊ ኣብያተ ትምህርትታት ንኽቆማ ምፍቃድ፡ ብሃገራዊ ስርዓተ-ትምህርቲ ንኽቅየዳ ዘገድድ ሕጊ ምሕንጻጽ፡

13. ኣንጻር ጎዳኢ ድሑር ባህልታት ብዕቱብ ምቅላስ፡ ንኣወንታዊ ባህልታት ምትብባዕ፡ ብዙሕነት ባህልታትና ምኽባር፡

14. ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ወገናዊ ኣድልዎ ንኸይህሉ ምርግጋጽ፡

15. ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቅርስታት ምዕቃብ፡

16. መንግስቲ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ትካላት ጣልቃ ንኸይኣቱ ምክልኻል፡

7. “መዳይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት”

1. ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡውን ምስ ካልኦት ክፍሊ ዓለማት እንገብሮ ዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ እተሞርኮሰ ድልዱልን ልኣላውነት ሕድሕድን ዘኽበረን ክኸውን ይግባእ፡

2. ቁጠባውን ማሕበራውን ምትሕብባር ምስ ጎሮባብቲ ህዝብታት (ሃገራት) ንምድልዳል፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ነጸ ምንቕስቓስ ህዝቢ፡ ኣቕሑት፡ አገልግሎት፡ ርእሰ-ማልን ከም ዝህልው ምግባር፡

3. ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎሮባብትን ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ኣእታውነት ዝወረደ ልዑል ሃገራዊ ረብሓታትና ዝጉድእ ወታሃደራዊ ስምምዓትን ምሕዝነታትን ካብ ምግባር ምርሓቕ፡ ፍልልይ ይኹን ግርጭት ብልዝብን ብኣህጉራዊ ሕግን ክፍታሕ ከም ዘለዎ ዝኣምን ፖሊሲ ምኽታል፡

4. ብዓለምለኻዊ ደንቢ ዝግዛእ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበራትን ምንግስታትን ምሕዝነት ብምድልዳል ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ዓሌታዊ ኣድልዎን ጭቆናን ምቅላስ፡

5. ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ሽግር ምጽሕታርን ውግእ ጥራይ ዝባህሪያቱ ምልካዊ ስርዓት ብዘሳበቦ ኣብ ወጻኢ ሰፊኑ ዘሎ ኣሉታዊ ስእሊ ሃገርና ክማሓየሽ ኣትክሮ ምሃብ፡

6. መሰረት ሰላምን ዲሞክራስን ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ንምድልዳል ምቅላስ፡

8. “ንሕጊ መንግስቲ ዝምእዘዝን ዘገልግልን ሃገራዊ ሰራዊት ምቛም”

1. ሃገራዊ ሰራዊት ፓለቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ምእዙዝ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ በርጌሳዊ ምምሕዳር ይኸውን፡

2. ሃገራዊ ሰራዊት ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ብዘገልግል ልኣላውነት ሃገርን ቅዋምን ምሕላውን ምክልኻልን ይኸውን፡

3. ሃገራዊ ሰራዊት ንክውንነት ሕብረተ-ሰብኣዊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግባእ፡

4. ውትህድርና ሞያ ስለዝኾነ ብድልየትን ምርጫን ዜጋታት ዝውሰን ከም ዝኸውን ምግባር፡ (ንመንእሰያት ልዕሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ግዴታዊ ኣገልግሎት ን 18 ኣዋርሕ ኮይኑ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝታሓጽረ፡

5. ሃገራዊ ኣገልግሎት ብድልየት/ምርጫ ኮይኑ ኣብቲ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ዝተሞርከሰ ን18 ወርሒ ጥራይ ይከውን፡

6. ሰራዊት ኤርትራ ብውሳኔታት ሕግታትን ውዕላትን እንተዘይኮይኑ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ኣይኣቱን፡

7. ኣዋጅ ውግእን ሰላምን ብፓርላማ ጥራይ ዝውሰን ምዃኑ ብሕጊ ምርግጋጽ፡

Related items

Login to post comments
We use cookies to improve our website. More details…