ምዅዓውስ ተዃዕዩ’ዩ፡ ግና ኸ፡ እንደገና ክሕፈስ ዝኽእል እዩ ማሕሙድ ሳልሕ,፣

 

ምዅዓውስ ተዃዕዩ’ዩ፡ግና ኸ  እንደገና ክሕፈስ ዝኽእል እዩ
ማሕሙድ ሳልሕ፣

 

ኣብ መንጎ ናይ ኣሰና ዳት ኮም ኣማንኤል ኢያሱን ኣሕመድ ሸሪፍን ዝግበር ዘሎ ናይ ሚድያ ምግጭጫብ

ዘየጕሃዮ ፈታው ውሑድ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣጋጣሚ ኮይኑ ንኽልቲኦም ኣሕዋት እፈልጦም እየ። ምስ ኣማንኤል ንኣስታት 40 ዓመት ዝጽጋዕ ፍልጠት ክህልወኒ እንከሎ፡ ንኣሕመድ ሸሪፍ እውን ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ሕደት ዓመታት ተላልየዮን ኣብ ሓደ ከባቢ ሰሪሕናን ኢና። እማንኤል ከም ዓቢ ሓዉ ዝርእየንን ዘኽብረንን እዩ። ኣነ እውን ከም ንእሽቶ ሓው እየ ዝርእዮን ዘኽብሮን። ምስ ኣሕመድ ሸሪፍ እውን ጽቡቕ ዝኽርታት እንተዘይኮይኑ ዘቕሕር ሕማቕ ነገር ኣይፈልጠሉን እየ።

ትሑትን ተዋዛያይን ምንባሩ እዝክር። ክልቲኦም ሰብ ሞያን ኣበርክቶን እዮም። ክልቲኦም ኣሕዋት ነዚ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎን ብጋህዲ ዝቓወሙዎ ዘለዉን እዮም። በብዓቕሞም በብወገኖምን ድማ ንዓቕምታት ኤርትራውያን ከተሓባብሩ ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት እዮም። ንኤርትራ ብዙሕ ‘ኳ እንተኣበርከቱላ፡ ኤርትራ ጌና ኣይጸገበትሎምን’ያ። ብዙሕ እያ ትጽበየሎም። እንታይ ሓደጋ ደኣ ተረኽበ ኣብ ከምዚ ምግጭጫብ ዝኣትዉ? መልሱ ሓጺር እዩ። ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም። ሰባት ኮይኖም፡ ተጋግዮም። ንዝጋገዩ ኣሕዋት ምትዕራቕ ከኣ ሓላፍነትና ጥራይ ዘይኮነስ ባህልና እውን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ብዓቕመይ ዓገብ ክብሎም መሪጸ። ዓገብ በሉኣንቱም ሰባት፡ ዓገብ በሉ ይብሉኹም ኣለዉ ፈተውትኹም።

ኣብዛ ሓጻር ናይ ሃታ-ሃታ ጽሕፍቲ፡ ነቲ ቪድዮታቶም ዘመሓላለፍዎ ወይ ከሕልፍዎ ዝፈተኑ መልእኽቲ
ክህይስ ኣይነቅልን እየ። እንታይ ደኣ፡ ነንባባይ እቲ መልሰ-ግብርታት ብከመይ ከምዝማዕበለ ጥራይ ኣሚተ፡ ናብ
ምዕዶ ክሰግር እየ። ከምዝመስለኒ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዝሃብዎ ተኸታታሊ ቃለ-ምልልስ “ኣስላም ኣይሰርሑን...እቶም ንሰማማዕ ክርስትያን ሓቢርና ንቃለስ...ወዘተ” ክብሉ ርኢቶኦም ሃቡ። ንእግረ- መገዶም እውን ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ኣብ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስያን ኣሕዋትዝወረደ ዝበልዎ ግፍዕታት እውን ተንኪፎም። ኣማንኤል ከማእዝኖም ፈቲኑ፡ ግን ኣቶ ሃብተማርያም ኣብ ብሂሎም ነቒጾም። እቲ መንቀሊ ናይዚ ኣብ መንጎ እዞም ኣሕዋት ዝካየድ ዘሎ ዳርባታት እዚ እዩ።

እንታይ ደኣ ኢና ካብዚ ክንጸምቆን ክንመሃሮን እንኽእል ቁምነገር? ሀ. ኣቶ ሃብተማርያም ዝስመዖም ተዛሪቦም። ሰብ-ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይትጽበየሉን። ርድኢቶምን ኢቶኦምን ንሱ እዩ። ንኣቶ ሃብተማርያም ዝኾነት ትኹን ቂምታ የብለይን። ኣቶ ሃብተማርያም ወካሊ ደቂ ከበሳ ወይ ክርስትያን ዝገበሮም ወገን ስለዘየለ፡ ናይ ውልቆም እምበር ንደቂ ክርስትያን ወኪሎም ይዛረቡ ከምዘየለዉ ፍሉጥ እዩ። ዘረበኦም ሓቂ ዝጎደሎን ዘይሓላፍነታውን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣክንዲ ዘቀራርብን ዘተሓቛቕፍን ቁምነገር ዝምህሩና፡ ጉዕዞ ቃልሶምን ሂወቶምን ብኸምዚ ክድምድሙ ምምራጾም የሕዝን እዩ። ግን ዘሰራስርን ድቃስ ዝኸልእን ኣይኮነን። ኤርትራ ብብዝሐ-ርኢቶታትን ብዝሐ ኣመለኻኽታን ዝቖመት ሃገር ስለዝኾነት፡ ብድሕሪ- ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ዘረባታትን ዛዕባታታትን ክጋዋሕ ከምዝኽእል ምጽባይ ጠቓሚ እዩ። ብኡ መጠን እውን ቅሩብ ቆርበት ክነርጉድ ከድልየና እዩ። ሕርቃንን ህዉኽ መልሰ-ግብርታትን ንነገራት የጋድዱ እምበር ፍታሕ ኣይኮኑን።

ለ. ኣማንኤል ኢያሱ ምርጫ ነይርዎ። ነቲ ምስ መትከላት ትካሉ ዘይሰማማዕ ዘለፋታት ክቖርጽን ክድርብን
መሰሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓላፍነቱ እውን እዩ። እቲ ቃለ-ምሕትት ኣቀዲሙ ዝተመልአን ክሓስበሉ እውን ግዜ ዝነበሮን እዩ። መሰልን ግቡእን ተመዛዚነን እየን ዝኸዳ። እታ ሓንቲ ብዘይካ እታ ካልእ ከቶ ክትነብር ኣይትኽእልን። ኣቶ ሃብተማርያም ነቲ ዘለፋ ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ እውን ኣብተን ምስ ርኢቶኦም ዝሰማምዓ ሚድያታት ከኮማስዕዎ
ይኽእሉ እዮም።

ሰብ እውን ብዙሕ ኣይምተገደስሎምን እዩ። ኣዘራርበኦም፡ ከምቲ ዘለዎን ብጥረኡን ኣብ ኣሰና ዳት
ኮም ክስመዓለይ መሰለይ እዩ ኢሎም ዝከራኸሩሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣሰና ይኹን ኣቶ ሃብተማርያም
ሓቅነትን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ዘረባታት ከየመሓላልፉ ግቡእ ኣለዎም። ኣሰና ይኹን ኣማንኤል እውን ንዓመታት
ዓቕምታት ኤርትራውያን መታን ክተተሓባብር ክትጽዕር ጸኒሕኩምስ ብስም “ናጻ ርኢቶ” ከምዚ ዝኣመሰለ
ሓቅነትን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ዘረባ ክተሕልፉ ግቡእ ኣይነበረን። ብሓጺሩ፡ ታጋጊኻ ኣማንኤል ሓወይ። ብወገነይ፡
ልብኻ ምስ ኣባሃህላ ኣቶ ሃብተማርያም ከምዘይሰማማዕ እፈልጥ እየ። ውሳኔኻ ግን ሚዛን ዝጎደሎ እዩ ነይሩ (You
made a bad judgement)።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መልሰ-ግብሪ ናይ ኣሕመድ ሸሪፍ ስዒቡ። ኣሕመድ ሸሪፍ፡ ምስ ኩሉ ኣኽብሮት፡
መልስኻ ሃናጺ ኣይነበረን። ናብ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ዘተኮረን ናብ ፍርዲ ምሃብ ዝጓየን ኮይኑ ረኺበዮ። ነተን
ትቃወመን ነጥብታት ሓደ ብሓደን በቲ እንፈልጦ ልዙብ ቃላትካን ኣቀራርባኻን ክተነጽረን ምኸኣልካ ነይርካ። ናብ
ውልቃዊ ኣማንኤልን ስድርኡን ዘመጣጥር ኣይነበረካን። እቲ ዝሃብካዮ ሓበረታ እውን ሓቅነት ዝነበሮ ኣይኮነን።
ካብ ንኣማንኤል ዝያዳ ነቶም ምስቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሎም ስድርኡን መቕርቡን ነቲ ዝውለደሉ
ህዝቢ ክርስትና ዘጥቅዕ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ ንመኣረምታ ዘንቀለ መደብካ ብኣሉታታት ተበኪሉስ ፋይዳ-ኣልቦ
ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣሉታዊ መልሰ-ግብሪ ዝዕድም ኮይኑ።


ኮይኑ ድማ፡ ኣማንኤል ኢያሱ ኣብቲ ሓራቕ መልሱ፡ ንኣሕመድ ሸሪፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣስላማይ
ዘበለ ብኣልማማ ጨርጒፉና። ዝሓሰበሉ ኣይመስለንን። ነቲ ብኣሕመድ ሸሪፍ ኣብ ልዕልኡ ዝተሰንዘረ መጥቃዕቲ
ብዕጽፊ መሊሱዎ። ኣሕመድ ሸሪፍ እውን ከይደንጎየ ካልእ ቪድዮ ፈንዩ ኣሎ። ንኣማንኤልስ ያኢ ምስ ኣግኣዝያን
ኣጸጊዕዎ። ኣብዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ክትንብህ ኣይክእልን እየ። ግን በዚ ዘለዎ
እንተቐጺሉ ሃናጺ መልሰ-ግብርታት ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣስተውዕሉ። ሕማቕ መዓልቲ
ውዒልኩም። ኣክንዲ ኣብ ቁምነገር ናይቲ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ ተድህቡ ናብ “ቅልጡፍ ዓወት የመዝግብ’ዩ” ኢልኩም
ዝኣመንኩምሉ ውልቃዊ መጥቃዕትታት ትጓየዩ ኣለኹም። ብሕርቃንኩም ኣይትመልሱ። ሕርቃን ከምኡ እዩ
ዝገብር። ሕርቃን’ኮ ንኣሕዋት ደቂ ሓንቲ ኣደ የቃትል እዩ። ከም ንቡር፡ ንጥቃዕ ከምዘለና ምስ ዝስመዓና ምዩቕ
ወይ ቁንጥይ ዘየብለና ኣይኮነን። ባሃርያዊ እዩ። ግን ዝሓስብን ዝምርምርን ሓንጎል ተዋሂቡና እዩ እሞ፡ ከም እንስሳ
ተመሳሳሊ ወይ ዓጸፌታ ክንህብ ክንጓየ ኣይግባእን።

ክልተኹም ነቲ ዝህውጸኩም ዘሎ ኣንንነት ንግዚኡ ያዕ
ኢልኩም ናብቲ ክተካይድዎ ዝጸናሕኩም ሃናጺ ዕማማት ተመለሱ። ደሓር ከኣ ምህሮ ደኣ ሽግርን ብደሆን
ንምፍታሕ ክተንጸባርቖ ኣለካ እምበር፡ ስማይ ጠቐስ ድግርታትን ባጀላታትን ደርዲርኩም ስራሕ ቆልዑ ትሰርሑ
እንተኮይንኩም ደኣ እንታይ እዩ እቲ ፋይዳ? እቲ ደርዲርኩሞ ዘለኹም ባጀላታት ነዛ ንእሽቶ ነገር ብህድኣትን
ብስነፍልጠታዊ መገድን ክትፈትሕዋ ኣየኽኣለኩምን። ስለ’ዚ፡ ምዝርዛር ባጀላታትኩም ንሰማዒ ዘደንጹ ኮይኑ
ኣሎ። ኣይግድን! ሕጂ እውን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ርጉእን ህዱእን ኣእምሮ ጥራይ እዩ ዝፈትሖ’ሞ ቅሩብ ትንፋስንንፋስን ርኸቡ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ክልተ ብጾት ተጋግዮም እዮም። እቶም ክትፈርድዎም ትጓየዩ ዘለኹም
ሰባት ወይ እውን ድሮ ዝፈረድኩሞም እንተሃለኹም፡ “ ቅሩብ ደኣ ህድእ በሉ” ክብለኩም እደሊ። ንኽልቲኦም
ብተኣማንነት ክሓልፈሎም እኽእል እየ። ዓገብ ጥራይ ምባሎም። ክልቲኡ ወገን ህዝብና መጣቖስትን ዘረግትን
ኣይተሳእንዎን። ኣማንኤል ኢያሱን ኣሕመድ ሸሪፍ ግን ካብኦም ኣይኮኑን። ክልቲኦም ሃገራውያን ዜጋታትን ቆራጻት
ተቓለስቲ ንሓርነት ወዲሰብን እዮም። ንእስነቶም ኤርትራ ንምምጻእ ኣብልዮማ እዮም። ሓዲኦም ኣብ ሜዳ እቲ
ካልእ ኣብ ደገ፡ እቲ ሓደ ከም ተጋዳላይ እቲ ካልእ ከም ውፉይ ሓፋሽ ውድብ ነይሩ ክኸውንይኽእል። እንተኾነግን፡ ክልተኦም ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም እዮም። ሕጂ እውን ይፍጽሙ ኣለዉ ኣይኮነን’ንዶ ኣብ ደገ ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ተጋዳላይ እውን ውድብን ቃልስን ኣብ ዝመደቦ ይሰርሕ ነይሩ እምበር ከም ድሌቱ ክገማጠል ዕድል ኣይነበሮን። ብዙሓት ክጋደሉ ዝደለዩ ኣባላት ሓፋሽ ውድባት ዕማም ውድብ ገዲዱዎም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ጸላእን ኮይኖም ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ኣብ ግንባራት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክምደቡ ዝደልዩ ሞያውያን ተጋደልቲ ብዘይድሌቶም ኣብ ክፍልታት ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ክፍልታትን ግንባራትን ዝናወጹሉ ግዝያት ብዙሕ እዩ ነይሩ። መዓስ ናብ ግንባር ትኸትት መዓስ ከ ናብ ክፍልታት ትሰሓብ ዘይትፈልጠሉ ዓመታትእዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ግንባራት ዝነበረ ተጋዳላይ ነቲ ኣብ ክፍልታት ብዘይድሌቱ ዝሰርሕ ዝነበረ ሞያዊ ክወራዘየሉ ወይ
እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ተጋዳላይ ነቲ ኣባል ሓፋሽ ውድብ ከቃጭጨሉ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ኣመዳድባ
ብውልቀ-ሕርያ ዝግበር ኣይነበረን። ኤርትራውያን በብዓቕሞምን በብዝነበርዎን ሰሪሖም እዮም። ስለ’ዚ ኣማንኤል
ንኣሕመድ ወይ ኣሕመድ ንኣማንኤል ክንዕቕ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ኣንንነት ትበሃል ሕማም ክተወግዱ ይግባእ።
ኣብዚኣ፡ ክልተኹም ሸታሕታሕ ኢልኩም ኢኹም። ደሓር ከኣ ኣማንኤል ዓርከይ፡ ብስንክልና ኣሕመድ ሸሪፍ
ክተባጩ ምስ ሰማዕኩኻ ናይ ብሓቂ ጎህየ። ታህዋኽ ሕማቕ እዩ።

ሓንጎልና ብሕርቃን እንተተዓብሊኹ ቃላትን ሓሳባትን ክንመርጽ ዕድል ይኸልኣና። ብታህዋኽ እንዓሞ ዕዮ ዕዉር ፍርያት ይወልድ። ብተወሳኺ፡ ነቐፌታ እዋናውን ንጹርን ውሱንን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ክትነቕፎ እትደሊ ኣብ ግዚኡን ብንጹርነት ማለት ነተን ትነቕፈን ቡንቅስ ኣቢልካ ምፍላይ ማለት እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ነቐፌታኻ ውሱንንነት ክህልዎ ኣለዎ። ንኣማንኤል ዝምልከት እንተኾይኑ ንእማንኤል ግብሩን ይምልከት። በዚ መሰረት ድማ “ኣንድነታውያን፡ ኮማንድስን...ኣግኣዝያን...” ዝብሉ ናይ ኣሽሙር ቃላት ወይ ከኣ (coded words) ዘእቱ የብሉን። ኣማንኤል ኣንድነታዊ ይኹን ኣግኣዝያን ወይ ኮማድስ ኮይኑ ኣይፈልጥን።

ወዲ ሓወበኡ ወይ ወዲ ዓዱ ኣንድነታዊ ወይ ኮማንድስ እንተነይሩ ድማ ንዕኡ ኣይምልከትን እዩ። ኮማንድስ ንክቡር ህዝብና ህዝቢ ከበሳ ዘይውክሉ ንኸብዶም ጥራይ ምንባሮም ኣይጠፍኣካን። ነተን ኣብ ኣካባቢ ኣስመራ ዝሃለቓ ዓድታቶም’ኳ ክከላኸሉ ኣይከኣሉን። ደሓር እውን ዳርጋ ብምልኦም ናብ ሰውራ ተጸንቢሮም እዮም። ብተመሳሳሊ እቲ ነቐፌታ ንኣሕመድ ሸሪፍ ዝምልከት እንተኮይኑ፡ ኣብ ኣሕመድ ሸሪፍ ዝውሰን ክኸውን ኣለዎ። እንታይ ዝገበርኩ ደኣ ትልከመኒ ኣማንኤል ዓርከይ? ግብረሸበራውያን ‘ኮ ንዓይ እውን ኣይምሕሩንን እዮም።

ንኣሕመድ ሸሪፍ “ኣሕዋትካ” ካብ በልካዮ፡ ብተዛዋዋሪ ንዓይ እውን ኣሕዋትካ እዮም ትብለኒ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣይዘረባን። እዞም ግብረሸበራውያን እዚኦም ዝያዳ ንኣስላም የህልቑ ከምዘለዉ ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን። “ከምቲ ሓወቦይ ሃብተማርያም ዝበልዎ” ኢልካ ንበዓል ኣሕመድ ሸሪፍ ክሰርሑን ከስርሑን ከምዘይክእሉ ኣሚትካ። ኣቶ ሃብተማርያም ግን ንብምሉኣኡ ኣስላማይ እዮም ለፍዲዶም። ከምኡ ምባልካ፡ ከይተፈለጠካ ንኣባሃህላ ኣቶ ሃብተማርያም ትድግፍ ኣለኻ ማለት እዩ። ሃይማኖት ይኹን ወገን ከይፈለኻ ንምልእቲ ኤርትራ እትቃለስ ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ እማንኤል። ግን ናይ ኣመዛዝና ጉድለት ገይርካ። ናህሪ ግናይ እዩ።

ተዛረብቲ ትግረ “ሻፍግ ዕዉር ወልድ” ይብሉ። ትርጉሙ ድማ “ህዉኽ ሰብ ዕዉር ይወልድ” ከም ማለት እዩ። እንታይ ደኣ ረጊእካ ከይሓሰብካ ትሰርሖ ስራሕ ዕዉር ውጽኢት ይወልድ። ክልተኹም ንሂርኩምን ተሃዊኽኩምን። ብታህዋኽን ናህርን ተሰላስልዎ ዘለኹም ጽምዶ ዕዉር ፍርያት ይዝርግሕ ኣሎ’ሞ ከይተዕዉሩና ንሰግእ ኣለና። ብስኩጆታት (ንጣራት) ዳርባታትኩም ተወዲእና። ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ ልቢ ግበሩ። ኣሕዋት ኣማንኤልን ኣሕመድን፡ ኽልተኹም በሊሕ ቀለምን ኣኣምሮን ብቕዓትን እትውንኑ ሞያውያን ኢኹም። ነቲ ምእንቲ ግዝእተ-ሕግን ፍትሕን ትገብርዎ ዝጸናሕኩም ጻዕርታት ቀጽልዎ። ክልተኹም ንሕ/ሰብ ኤርትራ ትፈልጡ ሰባት ኢኹም። ካብቲ ዝፈላልየኩም እቲ ዘሰማመዓኩምን ዘሕብረኩምን ነገር ይበዝሕ’ሞ ሕጂ እውን እቲ ጉዳይ ክንብል ኢሉስ ቕሩብ ደኣ ይከዖ’ምበር እንደገና ክሕፈስ ዝኽእል እዩ። እንተከኣልኩም ንፈተውትኹምን ነበብትኹምን መብርሂ ሂብኩም ናብ ዕማማትኩም ተመለሱ።

እንተዘይኮይኑ ድማ ክሳብ ግዜ ዘራኽበኩምን ፍልልያትኩም ብህዱእ መንፈስ ክትፈትሕዎ እትኽእሉን እቲ ትገብርዎ ዘለኹም ምግጭጫብ ክተቋርጽዎ እምሕጸን። እቲ ዘለኹሞ ናይ መራኸቢታትን መድያ ስራሕን እቲ ዘኻዕበትኩሞ ተመክሮን ንጽቡቕ መዓላ ወይ ድማ ንግናይ ግብሪ ክትጥቀሙሉ ተኽእሎ ኣሎ። ንህዝቢ ክተቃርቡ ወይ ክተራሕቝ ዓቕምን መሰላጥያታትን ኣለኩም። ምትህልላኽ ናብ ዘይትደልይዎ ኣንፈት ከይወስደኩም ነብሰ-ምእሳር ከድሊ እዩ። ስኒትን ሕውነትን ዘንግስ ተራ ክትጻወቱ እዋናዊ ሓላፍነት ከምዘለኩም እንዳኣዘኻኸርኩ፣ ዘይጋገ የለን’ሞ ናብ ልብኹምን ናብቲ ዘምሕረልኩም ጉዳይን ተመለሱ። ክልተኹም ኣሕዋት

ብጣዕሚ ዘኽብረኩምን ዝፈትወኩምን ስለዝኾንኩ፡ ንለባዋይ ብሕውነታዊ መንፈስ ክትቅበልዎ ተስፋ እገብር።

Top
We use cookies to improve our website. More details…