ሰላም ክቡራት ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ምስ እዛ 1ይቲ ታሪኻዊ ሰነዳት ዝሓዘት መጽሓፈይ

Print

ሰላም ክቡራት ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ምስ እዛ 1ይቲ ታሪኻዊ ሰነዳት ዝሓዘት መጽሓፈይ “ኤርትራ ካብ መግዛእቲ

ናብ መስራቲ ምንጋድ ደቂ-ሰባትን ዘበናዊ ባርነትን 

 “Eritrea from colonialism to the Founder of Human trafficking and Modern slavery” ትብል ከላልየኩም ኣፍቅዱለይ፡መጽሓፈይ ብእንግሊዝ ኮይና ክሳብ 718 ገጻት ዝሓዘት ኢያ፡ ሓቝፋቶ ዘላ ሰነዳት ድማ ጥንታዊ ታሪኽን፡ ጕዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ክኸውን ከሎ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሔን ዘሎን ግህሰታትን ግፍዒታትን መቕዘፍትን ብምሁራትን፡ ጋዜጠኛታትን፡ ብመንግስታትን፡ ብገበርቲ ሰናይን፡ብተጣበቕቲ ማሕበራትን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ናተይ መሰነይታ ጽሑፍን ዝተፈላለየ ስእልታትን፡ ምሳሌታትን ብሂላትን ናይ ዝተፈላለዩ ፊሎዞፈርስ ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ፡

mብፍላይ ትሕዝቶ መጽሓፈይ ነቶም ኣብ መጽናዕትን፡ምስናድ ታሪኽን፡ ምጽሓፍን፡ምምሃርን ዘለዉ ድማ ኣድላዪት ኢያ፡ኣብ ሓጺር መዓልቲታት ድማ ኣርእስትታት ትሕዝቶ መጽሓፈይ ምስ ሓጺር መግለጺ ኣብ ዝተፈላለየ ወብሳይት ምስ ስእሊ መጽሓፈይ ክትወጽእ ምዃና ንኹሎም ተገደስቲ ክሕብር ደስ ይብለኒ። መጽሓፍ ክገዝኡ ንዝደልዩ ተገደስቲ ድማ በዚ ዝስዕብ ኢሜይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክጠልቡ ይኽእሉ ኢዮም።

የቐንየለይ!ኣምላኽ ይባርኽኩም፡ምስ ሰናይ ትምኒት
ዶ/ር ኣብርሃም ጳውሎስ.

We use cookies to improve our website. More details…