“መዓልቲ ጀበርቲ 2017” ንመበል 7ይ ግዜ ኣብ ጀርመን

 “መዓልቲ ጀበርቲ 2017” ንመበል 7ይ ግዜ ኣብ ጀርመን

ብውዕውዕ ኣገባብ ተባዒሉ
ዓመት መጸት፡ ብዙሓት ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ሙንቸንግላድባኽ (ጀርመን) ተራኺቦም ንዘሕልፉወን መዓልታት ብህንጡይነት ኢዮም ዝጽበዩ፡፡ ተራኺቦም ጉዳያቶም ዝመኻኸሩሉን ኣዝዮም ኣገድስቲ ኣርእስታት ብምልዓል'ውን ዝዝትዩሉን ወርቃዊ ኣጋጣሚ መራኸቢት ቦታ ብምዃን ዘይሕከኽ ታሪኻዊ ጦብላሕታ ትገድፍ ኣላ፡፡ እዚ ዓመት-ዓመት ዝውደብ ኣጋጣሚ፡ መርኣያ ናይ መንነትካን ክብርታት ሕ/ሰብካን ንምዕቃብ ዝግበር ሓያል ኤርትራዊ ተበጉሶ ኢዩ፡፡ መንነት ሓያል ኢዩ፡፡ ጉዱሳት ደቂ ብሄረ-ጀበርቲ ብዛዕባ ዲናውን ባህላውን ክብርታቶም፣ ብሄራውን ሃገራውን መንነታቶም፣ ከምኡ'ውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሕቶታት ንምዝታይ ኣብ ሙንችንግላትባኽ ዝገብርዎ ርክብ ብኣወዳድብኡን ትሕዝትኡን እናዓበየ ከምዝኸይድ ብምግባር ብሓያል ኒሕ ተበጊሶም ኣለዉ፡፡

መዓልቲ ጀበርቲ ብተኸታታሊ ንመበል 11 ግዚኡ ኣብ ሙንቸንግላድባኽ (ጀርመን) ክኣ ንሻውዓይ ግዚኡ ብዘደንቕ ኣገባብ ኢዩ ተኻይዱ፡፡ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ ካብ 13/04/2017 ክሳብ 16/04/2017 ኣብ ትሕቲ ‘’ኣተኩሮ ናብ ነዊሕ ጠመተ’’ ዝብል ቴማ እዩ ተስላሲሉ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ 2017፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም (8 ሃገራት) ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ኩነታት ንጥፈታቶም ንምግምጋምን ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምልዓልን ሕቶታት ብሄራውን ሃገራውን ማሕበረ-ባህላውን ቁጠባውን ኩነታት ንምዝታይ እዮም ተራኺቦም ቀንዮም፡፡

እቲ መደብ ብቁርኣን ብ ሼኽ ዓብዱልዋስዕ ድሕሪ ምኽፋት ሓላፊ መዓልቲ ጀበርቲ ክቡር ኡስታዝ ማሕሙድ መ/ብርሃን ስፈር ናይ እንቋዕ ዳሓን መጻእኩም መደር ብምስማዕ ኣመስራርታን፥ ዕላማታት መዓልቲ ጀበርቲ ን ነዛ ምትእኽኻብ ክውን ንኽትከውን ዝተሰገሩ ብድሆታት ምስ ታሪኽ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ብምዝማድ ን ተጋባኣይ ብዝምስጥ ኣገባብ ድሕሪ ምቕራብ መዓልቲ ጀበርቲ ታሪኽናን መንነትናን እንዕቅበላ ምትእኽኻብ ስለዝኾነት ኣብ ዝኾነ እዋን ቀጻልነታ ንኽረጋገጽ ረዚን ለበዋ ኣማሓላሊፉ።

እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ መደብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ዘተኮሩ መካትዒ ነጥብታት ሕመረቱ ዝገበረ ኣብ ጉጅለታት ተመቓቒልካ ዝተገብረ ርሱን ዓውደ ሰራሕ ተኻዪዱ። እዚ ዓውደ ሰራሕ ”ሕቶ መንነትን፥ ምዕቃብ መንነትን እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ተጋባእቲ ብዕምቆት ድሕሪ ምክታዕ ጽሟቕ ክታዓቶም ብመንገዲ ወኪላቶም ገይሮም ንታጋባእቲ ብዘደንቕ ኣገባብ ኣቕሪቦም። ብጀካ እዚ ብ ዶ/ር ኢብራሂም ስራጅ ኣብ ትሕቲ “ ኣግኣዝያን ቴሜተ“ “ ንሶም ናብ ዓዶም እቲ ጥሩፍ ሓሳባቶም ድማ ን ጎዱፍ” ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ቐልቢ ኩሎም ተጋባእቲ ዝሳሓበ ኣስተምህሮ እዩ ነይሩ። ናይ ተጋባእቲ ዝተፈላለየ ሕቶታትን ሃናጺ ክታዓትን ነቲ ኣስተምህሮ ዕምቖት ክህቦ ኣኽኢልዎ እዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ንታሪኽ ሃገርናን ጀበርትናን ዝድህስስ ርሱን ናይ ሓፈሻዊ ፍልጠት ውድድር ውን ተኻይዱ፥፡
እቲ ዉሩይን ህቡብን ስነጥበባዊ ዑስማን ዓብደሪሕም ብስርሓት ስንጥበብ ነቲ መደብ ከማዕርጎ ከሎ ካልኦት ስርሓት ስነ ጥበብ ውን ቀሪቦምን ንተጋባእቲ ኣዘናጊዖምን።
ነቶም ነዚ መዓልቲ ጀበርቲ ክዉን ንምግባር ግዚኦምን ጉልበቶምን ዘወፈዩ ኣባላት ኣካያድቲ ሽማግለን ንጡፋት ተሳተፍትን ናይ ምስክር ወርቐት ብምዕዳል ፡ ነቲ ነዛ መዓልቲ ጀበርቲ ዝመስረተን ደኺመ ከይበለ ክሳብ እዛ

ዕለት ዓቢ ናይ መሪሕነት ግደ ዝተጻወተ ሓላፊ መዓልቲ ጀበርቲ ን ክቡር ኡስታዝ ማሕሙድ መ/ብርሃን ስፈር ዝላዓለ ሽልማት “መዓልቲ ጀበርቲ” ክህብ እንከሎ ክብ ዝበለ ኣበርክቶ ንዝገበረ ንክቡር ኡስታዝ ዓብዱ ስለይማን ዓብዱ ውን ዓቢ ሸልማት ሂቡ፥፡ ኣብ መወዳእታ ተጋባእቲ ንዓመታ “መዓልቲ ጀበርቲ 2018” ዘዳልዉ 8 ዝኣባላታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአት ዝበዝሑ መንእስያትን ዝርከብዋ ሓዳሽ ኣዳላዊት ሽማግለ ብምምራጽ ነታ ዝነበረት ትኪኡ። እታ ዝተመርጸት ኣዳላዊት ሽማግለ ንነብሳ ብምፍላጥ ን ዝመጽእ “መዓልቲ ጀበርቲ 2018”

ብዝበለጽ ክተዳሉ ምዃና ቃል ብምእታው ኣብ ዝሓጸር ጊዜ ዝግበረሉ ቦታ ክትሕብር ምዃና ሓቢራ። ብ ዶ/ር ኢብራሂም ስራጅ ኣብ ትሕቲ “ ኣግኣዝያን ቴሜተ“ “ ንሶም ናብ ዓዶም እቲ ጥሩፍ ሓሳባቶም ድማ ን ጎዱፍ” ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዮትዩብ (you tube) ክንዝርግሕ ምዃና ንሕብር። 


ሽማግል ኣዳላዊት መዓልቲ ጀበርቲ ኣፕሪል 2017


Top
We use cookies to improve our website. More details…