ወያ ቡርኩታስ ግድን እምኒ ኣላታ! 20.04.17፡

 ብዕለት 16 ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ነይሩ ብድምጺ ኣሰና መስዋእቲ ናይ’ዛ ብዕለት 13.04.17 ዝዓረፈት ሓርበኛ

ብዕለት 16 ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ነይሩ ብድምጺ ኣሰና መስዋእቲ ናይ’ዛ ብዕለት 13.04.17 ዝዓረፈት ሓርበኛ ተጋዳሊት ም ሕረት ኢዮብ ተኹሉ ዘሕዝን ዜና ዝሰማዕናዮ። ምኽንያት መስዋእታ ድማ ብዝነበራ ሕዱር ሕማም ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ። እንተኾነስ ሕጂ’ውን ብድምጺ ራዲዮ መድረኽ ዝተፈነወ ዜና ከምዝሕብሮ ሓርበኛ ምሕረት ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረ ት ህንጻ ናብ መሬት ብምዝላል ርእሰ-መስዋእቲ ከምዝ ፈጸመት ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ’ውን ወሲኻ፦ “ . . . . ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት

ናብ መንበሪ ገዛ ሓርበኛ ምሕረት ብምምጻእ ንኩሎም ኣባላት ስድራ-ቤት ምሕረት ምኽ ንያት ሞት ተጋዳሊት ምሕረት ኣብ ዝሕተቱሉ እዋን ብሕማም ምኽንያት ምዃኑ ክገልጹ መምርሒ ሂቦሞም።

ሻቡ ድማ መንበሪ ቤት ተጋዳሊት ምሕረት ማእለያ ብዘይብሎም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምዝመል አት ተሓቢሩ። መርድእ ዜና ተጋዳሊት ምሕረት ‘ብድንገታዊ ምኽንያ’ ዝብል ተዳልዩ’ኳ እንተነበረ ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ማዕከናት ዜና ኤርትራ “ተጋዳሊት ምሕረት ብ’ዝሓደራ ሕማም” ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 65 ዕድመኣ ተሰዊኣ” ዝብል ኮይኑ ክቐርብ መምርሒ ተዋሂቡ። ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ብሰንኪ ኣሳቕዩ ዝቐተላ መንግስቲ ኤርትራ ደጊሙ ብማዕከናት ዜናኡ ገይሩ ‘ብምኽንያት ሕማም ተሰዊኣ’ ምባሉ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተጋዳሊት ምሕረት ዝፈረዶ ካልኣይ ሞት ምዃኑ መጋድልታ ገሊጾም።” . . . . . . .ክትብል ፈነወቶ።


መቸም ዝኾነ ዜና ንኣፍልጦ ኢዩ ዝፍኖ። እንተ ዓይነቱ ግን ገሊኡ መግለጺ ሓቀኛ ፍጻመ ክኸውን እንከሎ ገለ’ሞ ኮነ ኢልካ ከዛርብን ክዉን ፍጻመ ክጥምዝዝን ከሀውትትን ምእንቲ በቲ ሓቀኛ ፍጻመ ተኸዊሉ ከምዝስራሕ ጭቡጥ’ዩ። ስለኡ እዚ ናይ ሎሚ ዜና’ውን ንዝሓለፈ ኣዘኻኺሩ ንዝመጽእ ስለዘጠንቅቕ እስከ ገለ ካብ ተሞኩሮታትና ድማ ክንቖናጥሮ።

 ዕረፍቲ ሓርበኛ ብጸይትና ምሕረት እንታይ’ዩ’ቲ ጠንቁ? ሓንሳብ ብሕማም ምኽንያት፣ ደጊሙ ብድንገታዊ ምኽንያት፣ ሰሊሱ ብዝሓደራ ሕማም፣ ረቢዑ፡ ብርእሰ መስዋእቲ፣ ከምዝሓለፈት ካብ ተፈነወ ኣየናይ’ዩ’ቲ ቁኑዕ ዜና? ምሕረት’ኮ ሓንሳብን ንሓዋሩን’ያ ተፋንያ። ንሕና ደቂ “ምዉት ኣይክሰስን”ከ ፈነወኣ ብከመይ’ዩ ክጸባበቕ ወይ ክመራሳሕ ኣድልይዎ? ንነገሩ ካልእ ምኽንያትን ኩነተ-ፍጻመን መስዋእቲ ብጸይቲ ምሕረት ከምዝህሉኸ ትግምቱዶ? ክውስኸሉ፡- ብቀዳምነት ምሕረት ምስ ስድራኣ ብዛዕባ’ቲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ በዓል-ቤታን ካልኦት ግዳያትን ከተዕልል ከምዝሓደረት ብከመይ ተፈሊጡ?

ብተወሳኺ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመት ርጉጽ እንተኾይኑ፡ ጠንቂ ሕልፈታ ብዛዕባ’ቲ ዝተጠቕሰ ስድራ-ቤታዊ ግዳይነትን ብሓፈሻኡ በቲ ወሪድና ዘሎ ሃለዋትን ምዕላላ ክኸውን ይኽእልዶ? ከምዝኾነ እንተተሕዱር መግዛእቲ ህግደፍ ሓንሳብ ስለዝተጻወረቶ መዓልታዊ ቁዛመኣ’ምበር ምስ ደቃን ወላዲታን ኮይና ክትደጋግሞ ምሕዳራስ ከመይቢሉ ኣብ ሽዑ በጺሑ ሓዲሹዋን መንፈስ ሞት ኣስሪጹ ናብ ጸድፊ ክትነፍጽ ቀሲቡዋን? . . . . .ዶስ እቲ ዕላል ደረቱ ስለዝሓለፈ ከምቲ ግዜ ዝወለዶ ውልቃውነትን ጥልመትን፡ ብገዛእ ቤታ፣ ደቃን ወላዲታን ተኻዒባ ዝተዛረበቶ ከየብጽሑላ ሰጊኣ? ወይ’ውን ካድረታት ህግደፍ ድማ ዘይጣበብዎ ስለዘይብሎም፡ ይኹን ኣይኹን ብቅንያቱ ሓድሽ ዜና መስዋእቲ በዓል-ቤታ መምህር በራኺ ገብረስላሰ ሓሽሊኾሙላ እንተኾይኖም፡ ገዝኣ ዓጽያ ምስ ደቃ ክትነብዕ ስለዝሓደረት ንጽባሒቱ ምጻሩ ስኢና? ምናልባሽ’ውን ሕልፈታ ግድን ከምቲ ዝሰማዕናዮ እንተኾይኑኸ ኣማውታ ክንመርጸላ’ኳ እንተዘይመዓረ ግና ብጸድፍስ ኣይእወን። እታ ሚ/ሪ ዜና ነቲ ፍጻመ ብዘለዎ ክንዲ ምቕራቡ ብ”ድንገት” ኢላ ምግላጻ'ኸ ግጉይ ዲዩ?” ዶስ ብጉልባብ “ሕዱር ሕማም” ዝተገብረ ውዲት ኣልዩ?” ኢልካ’ውን ክሕሰብ ይከኣል።


ዝኾነ ኮይኑ እቲ ክተሓላለኽ ዝተደለየ ዜና ከምቲ ዝተደለየ ኣይተሓላለኸን። ከምቀደሙ’ውን “ሃንደበታዊ ሞት” ኣይተጠመቐን። ወይድማ ብከምታ ደጋጊምና ዝሰማዕናያ ”ስትሮክ” ትብል ቃል ኣይተሰንዐትን። እንተኾነስ ሕጂ’ውን ገና ሕቶ ኣሎ። መስዋእቲ ሓርበኛ ምሕረት ካብ ፓላሶ ጸዲፋ ርእሰ-ቅትለት ከምዝፈጸመት ዘርድእ ዜና ካብ ሰማዕናስ ንምንታይኮን ይኸውን ግዜያዊ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ”ብዝሓደራ ሕማም” ተባሂሉ ክቐርብ ኣዚዙ?” ዝብል ሕቶ። መስዋእቲ ምሕረት ብኩሉ መንጽሩ ክጥመት ኪኖ’ቲ ብጾታ ዝበሉዎ ብርግጽ ድርብ መስዋእቲ’ኳ ክውሕዳ! በቲ ሓደ ብጉዳይ ነብሳን መጻኢ ዕድል ደቃን፡ በቲ ካልእ በቲ ግዜ ዝወለዶ ስዉር ረኽቢ ተነውኒዋ ንሕዩር በዓል ቤታ ከይትጠልም ብዘርኣየቶ ጽንዓት፡ በቲ ሳልሳዪ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወረደ ጥልመትን መቕዘፍትን፡ ኮታ ኩሉ መከራታት’ኳ እንተትዘራረየላ ጸገማ ከየቃልሐቶ ኣብ ሞንጎ ጸድፍን ሕማምን ቀርቂሩ ንዝቐተላ እኪት ባዕሉ ፈጣሪ ሕነኣ ይፍደየላ! እቶም ኣብ እዋን መስዋእታ ኣሻቦም ቤታ ወሪሮም ዝፈተሹ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዝኣከቡዎ ሰበባት ከምዝህሉ ምንም ኣየጠራጥርን። ድሮ ድማ ስልኪ ምሕረት ኣብ ትሕቲ ጠለፋኦም ከምዝነበረትን ይከታተሉዋ ከምዝነበሩን ካብተወረየ፡ በቲ ሓደ ግዳይነታ ቅቡል ክኸውን ከምተጠበበ ክእንፍት እንከሎ በቲ ካልእ ድማ ገና “ምስ እከለታት ዝተደዋወለቶ” እናተባህለ ከም ጠንቂ ናይቲ ብሕጂ ዝስዕብ ደማዊ ነገር ክኸውን ተወጢኑ ከምዘሎ’ውን ዝሕብር ተወሳኺ ዜና ይመስል። ዝኾነ ኮይኑ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ’ዩ ዝለፋለፍ። ንዜናዊ ፖሊሲ ህግደፍ ብጥቕሉል መዳዩ ክንሪኦ’ውን እቲ ካብ ውሽጢ ዝልሑኽ ዘሎ ዜናታት በቲ ሓደ ኮነ ኢሉ ነዘን ህዝባዊ መራኸቢታት ከደናግር፡ ብኣውራኡሞ ነቲ ሓቀኛ ፍጻመ ንምዝንባሉ ተባሂሉ ከምዝልኣኽ ኣይሰሓትን። እዚ ናይ ሎሚ ዜና’ውን ነጸብራቕ ናይቲ ዝሓለፍናዮ ይደግም ስለዘሎ ብዉሑዱ ንገሊኡ ክንዝክሮ ስለዘገድደና’የ ኣነ ድማ “ስውእቲ ምሕረትሲ ብሓቂዶ በቲ ፓላሶ ቁልቁል ኣፋ ተነቚታ ነብሳ ቀቲላ ወይስ ቀቲሎም ሰንድዮማ?” ክብል ኣብ ሓቅነት ናይቲ ዜናን ናይቶም ጠንቂ ሞትን ኣዕሚቘ ክሓስብ ዝተገደድ። በሉ ትማጎተሉን ትጫበጠሉን ስርዓት ካብዘይሃለወን ናብ ከምኡ ዝድርኽ ሕርኽርኽታ ካብ ወረሰናንሲ፡ እስከ ነቶም ክሳብ ሎሚ እናተደጋገሙ ዘሰልከዩና ልሉያት ጠንቂ ሞት ንጥቀሶም።


ሃንደበታዊ ሞት፣ እዚ ዓይነት ሞት ብከመይ ከምዝኽሰት ከይተሸገርኩ ብዙሕ እዋን ከምዘጓነፈን ዓይነቱ ድማ በቲ ስትሮክ (Stroke) ዝበሃል ይውከል ከምዝነበረን እዝክሮ ኢየ። ስትሮክ ቃል-ንቃሉ ‘መልመስቲ’ ክንብሎ ንኽእል። ዓይነትን ምኽንያትን መልመስቲ’ውን ኣይረሓቐናን። እቲ ዝኸፍአ ኩነተ-መቕዘፍቲ ግዳ ብከምቲ ፎርማሊን (Formalin) ዝበሃል መድረቒ ሬሳ ንጥ
ዑይ ሰብ ምስ ዝወያብ ቀጥታዊ ሞት ከምዘስዕብ ርጉጽ’ዩ። ቅመማዊ ጥበባትን ግጉይ ኣወሳስዳ መድሃኒትን ንርእሱ መልመስቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ስርዓተ-ህዋሳት ስለዘስዕብ፡ እቶም ከም ሓንጎል፣ ልቢ፣ ኩሊት ዝኣመሰሉ ተነቐፍቲ ኣካላት ቅጽበት ስራሓቶም ስለዘቛርጹ ተጠቃዕቲ ብቀንዶም ቅጽበት ይዝልሓጡ። ካልኦት’ውን ከም ፍሊት ኣብ ኣፍንጫ ዝንፍሑ፣ ኣብ ማይ ዝነጥቡ፣ ኮታ ብዙሓት ኣዘልሓጥቲ ጥበባት ኣለዉ።

 ዕምሪ ተጠቃዒ ድማ ቀጥታውን ዘገምታውን ክኸውን እንከሎ ከከም ዓይነቱን መጠን ኣወሳስዳኡን ይውሰን። ሓቅነቱ ክረጋገጽ ዘይከኣል ወይ ብእዋኑ ዘይጥቀስ’ኳ እንተነበረ ብበትሪ ‘ስትሮክ’ ከምዝተወቕዑ ካብ ዝሰማዕናዮም ስዉኣት ከም ዓሊ ስዒድ ዓብ ደላ፣ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ።

ወልደሚካኤል ገብረማሪያም፣ ሳልሕ መኪ፣ ሓመድ ስዒድባረህን ወዘተን፡ ኣብ ሕክምና ኣትዮም ካብዝቐሃሙ ከምእኒ ስዉእ ስዒድ ፈረጅ፣ ኮታ ተጠቃዕቲ ማእለያ ከይህልዎ ይኽእል። ድሕሪ ሞት ዘሎ መከራኸ? ሓንሳብ ኣብ ኢድ ጥበበኛ ዝወደቐት ነብሲ ብድሕሪኡ’ሞ ብፓላሶ ክትጓሓፍ፣ ንካልኦት መታን ሞት ከተመሓላልፍ ክትምረዝ፣ ምእንቲ መንፈስ ህሉዋት ክትርብሽ ኮታ ነብስስ ልዕሊ ብሂወታ ብሬሳኣ ዝያዳ በደል ክወርዳን ደጋጊማ ክትመውትን ይግበር’ዩ። ግናኸ ኣይከምቲ እናረኣኻን እናሰማዕካን ክልተ፣ ሰለስተን መመሊሱካ ሞትን! ሓደ ዓርከይሲ ብዛዕባ’ዚ ዝብሎ ዘለኹ ከነዕልል እንከለና ክቱር ተዓጂቡ “ዋእ! ፈጣርስ ካን ብዘይካ’ዚ ስታሊናዊ ሶቬታዊ ቅዝፈት ካልእ ዓይነት ንቡር ሕማምን ኣማዉታን ኣይፈጠረን ዲዩ?” ዝብላ ቃላቱ ንመዋእለይ ኣይርስዐንን ኢየ። ብሓደጋ መኪና፦

ብተመኩሮይ ንምዝራብ እቲ ቀዳማይ “ካብ መኪና ጸዲፎም” እናተባህሉ ካብ ዝሓለፉ ስዉኣት ሓደ፡ እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰልኪዩ ምስወጸ ዝተመርዓወን ኣብ ሕጽኖቱ ምስ መርዓቱ ካብ መኪና ጸዲፉ ከምዝተሰውአ ዝተነግረሉን “ወዲ ወልዱ” ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይ ስዉእ ብጻይና ነበረ። ብድሕሪ’ታ እዋን’ቲኣ ነብሲ’ውን ኣብ ሓለዋ ነብሳ ተጸምደት። ድሕሪ ናጽነት ድማ ንጥንቁላሓሶም ሸለው ዘበሉዎም፡ ወይ ብኻልእ ጥበቦም ኣካዊኖሞም ክንሶም ከምቲ ናይእኒ ስውእቲ ወዘነት ዝኣመሰሉ ግዳያት ብወለንታኦም ምስ መኪናኦም ንቁልቁል ከምተኖቕቱ ዝተወርየሎም ኣይወሓዱን። ካብ ፓላሶ ዝጸደፉ፦ እቲ ታሪኽ ከይነውሓኒስኒ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ኤናስኣ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ኣቦ-መንበር ነበር መበገሲ ገይረ ክጥምቶ፡ እናሓደረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻትና ዝፈጥሮ ዘሎ ሞት እናበርሃለይ ምስመጸ ክሳብ መስዋእቲ ናይ’ቲ ካብ ፓላሶ ብምጽዳፍ ከምተሰውአ ዝተነግረና ሕልፈት ስዉእ ተመስገን ጥሒሻ ከይተረፈ’ውን ክጥርጥሮ ጀሚረ።

ኤርትራውነት ኣብ ምብራስ’ኮ ንጉስ ሃይለስላሰ ይኹኑ ደርጊ ን’ተጋዳላይ’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሕግዙን ምስጢር ክመጣጠዉን እንታይ ከየጸግሞም! ንግዚኡ ስሙ ዘይዘከርኩዎ ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ናይ እንግሊዝ ጋዜጠኛ ዝነበረ’ውን ብገዛእ ውሳነኡ ካብ መንበሪኡ ገዛ (ቃኘው) ብፓላሶ ከምዝጸደፈ’ሞ ተወርዩ’ዩ።

ግናኸ ከይወዓለ ከምኡድማ ከይሓደረ ዝሰዓበ ዕላል’ሞ ባዕሎም ቀቲሎም ከምዘጽደፉዎ ዘርድእ ሕሹኽሹኽታስ ተጋውሐድኣ። እንሆ ድማ ሎሚ’ውን ስውእቲ ብጸይቲ ምሕረት ብገዛእ ውሳነኣ ካብ ፓላሶ ቁልቁል ኣፋ ከምተነቑተት ኮይኑ ይውረ! ብድቁሶም፦ ብድቑሶም ከምዝዓረቡ ካብ ዝዕለለሎም ምዝካር እንተተደልዩ ንኣብነት ጥራይ ንምጥቃስ’ውን፡ እቲ ብሩህ ኢንዱስትሪያዊ ኣእምሮን ተስፋ ሃገርና ዝተነብረሉን ስዉእ ሚኪኤል ፍሰሃየ ነይሩ። ካልእ ንምውሳኽ ከምእኒ “ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ’ ይብል ነይሩ” እናተወርየሉ ዝሓለፈ ብጻይናን፡ ኮታ ካልእ ዝኽሪ ስዉኣትና’ሞ ኣብዛ ጸባብ ግዜ ክንደይ ክንብሎ! ናይ ብ/ር- ጀነራል መሓሪ ዑቕባዝጊ ዝተፈልየ ነይሩ። በዓልቲ ቤቱ ስራሕ ምስሓደረት፡ ብድሕሪኣ ኣብ መደቀሲኡ ዓሪፉ ከምዝሓደረ ምስተሰምዐ፡ ምስ ብጾቱ “ሓቂ ይሓይሽ” እናለ ክዕልል እንከሎ ኩሉ ነገራቱ ካብ መንፈሰይ ምእላይ ኣብዩኒ ነበረ። እንኳዕ ድማ ኣብ ውሽጠይ ኣይኣተኹም! ካብ ብንጉሁኡ’ኮ ሕልፈት ናይ’ቶም እናሓደረ ብልሓታቱ ጽሓይ ዝወቕዖ ግዳያትና ክዝክር እንከለኹ ንመዋእለይ ዘይሃስስ ቃንዛ’ዩ ገዲፍለይ ዘሎ።

ክጠቅስ፡ ናይ ወዲ ፍላንሳ ሓንሳብ ብነፋሪት፣ ሓንሳብ ብመድፍዕ፣ ሓንሳብ ድማ ብስልኳ ስለያ፣ . . .፡፣ ክሳብ ሎሚ ዘይትወሓጠለይ መስዋእቲ ነጋሲ ፍዚዝ’ውን ሓንሳብ ኣብ መገሻ (ጦፍ) እንከሎ ኣብ ድብያ ከምዘእተዉዎ፡ ካልእሳብ ምስ ብጾቱ ኣብ ኣኼባ እንከሎ ብስልዃ ተሓኤ፣ መስዋእቲ ወዲ-ሓምቢርን መኮነን ጉብጣንን፣ ከምኡድማ ፈተነ ቅትለት ሳልሕ ሕሩይ ሓንሳብ ብስልዃ ስለያ ጸላኢ፡ ሓንሳብ ምስመኪናኡን ብጾቱን ጽርግያ ሰጊሩ ኣብ ጸላኢ ከምዝኣተወ ተመሲሉ ክቕተል ተፈቲኑ መኪናኡን ብጾቱን ተሰዊኦም በይኑ’ኳ እንተተረፈ፡ ድሕሪ ናጽነት’ሞ ከምእኒ ማሕሙድ ኣልቀይሲስኳ ብደዎም፡ ከምእኒ ሳልሕ ግና ክእሰሩ’ዩም ዝተራእዩ። 

ከምእኒ ቢተው ዝኣመሰሉ’ውን ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ተጌሩ ቅጽበት ዝተደግሙን፡ ዘእዊ ስለዘይተረኽበ ድማ ዳግማይ ምስ ኣተዉ ክሳብሎሚ ጠፊኦም ዘለዉን፡ ሳልሕ ሑሩይ’ውን ሓንሳብ ከምዝወጸ ተነጊሩ ከብቅዕ ዳግማይ ምስተኣስረ ብኡ ኣቢሉ ከምተሸርበ ስለዝመስለኒ ካብ ዝኽርታተይ ኣይተሓኸኸን። ኮታ ግጉይ’ውን እንተኾነ ንገበነኛ ዝኽረይ ኣነጻጺ ርኩም ከይትምንጥሉኒ ዘይኮነ ንዓይ ክጥዕመኒ ጥራይ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ነገር “ወዘተ . . . ፡“ ኢለ ክገትኦ ይሕሸኒ። ብሓጺሩስ ናይ’ቶም ኣብ ውሽጢ ውግእ እንከለዉ ዝተጠቑለቡ ብጾትና ታሪኽ ወላዲቶም ኤርትራ ትቑጸሮም።

እንተ ብወገነይ ግና ናይቶም ኢሳይያስ ከይምንጥሉዎ ዝፈርሆም ዝነበረ ከምእኒ ተኽላይ ዓደን ዶኾን ቁሩብ ኣጠራጢርኒ ማለት እንተዘይኮይኑ፡ ሕልፈት ናይቲ ንኢሳይያስ ብትሕዞ ቀላሊዑ ምስ ኣዕፈሮ ኣፍ ኢሳይያስ ምሕረት ለሚናቶስ ኢብራሂም ምሕረቱ ከምዝለገሰሉ’ሞ እሰምዕ ነይረ። መስዋእቲ ኢብራሂም ዓፋን ዓይነቱን ምስተሰምዐ ግና ብድሕሪኡ ንዝነበረ መስዋእትታት ብኣንክሮ ክከታተሎ ከምዝጀመርኩ ታሪኸይ ይነግረኒ ኣሎ። ንኣብነት መስዋእቲ ናይ ዓሊ እብራሂምን መሰሉን ክጠቅስ እኽእል። መስዋእቲ ናይ’ቶም ብትሕዞን ብጅምላን ዝሓለፉ ‘ስዑራት’ ዝተጠመቑ ጀነራላትና’ውን ትማሊ’ዩ።

 “ብልሓትኩም ትፈለጥ ህግደፍ!” ጥራይ በሉለይ እምበር እንተ ከም ንዓይ’ሞ እቲ ዝለመድኩዎ ወልደፍደፍኩም ከምዝ ሕብሮስ ከምቲ ናይታ ቡርኩታ ግድን እምኒ ዘላታ! ዕዮኹም ስለዝገስረጠ፡ ከምኡድማ ምስ ውኖይ ስለዘለኹን ዓላማኹም ኣጥሊለ ስለዝፈልጦን፡ ኩሉ እንተጠርጠረኸ እንታይሲ መእመኒ ኣልይኩም? እንታይ’ውን ከየሸግረኩም፡ ኩልና’ኮ ነውሐ-ሓጸረ ብገመድ ዝተቐፈድና እሱራትን ንሞት ዝተፈረድና ግዳያትን ብምዃንና፡ በቢ ሓደ ድማ ሰብ ካብ ወሓደስ ኣብዚ ናይ ሂወት ኣድሕን ወፈራ መንከ ኣልዩ ዘይዓጥቕን ስኑ ዘይሕርቅምን!! እንተኾነ እንታይ ዝኣመሰለ ዕጥቂ መልሓስን ትሕዞን ከምዘድሊ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡሉ መታን ብዝወጻእኩሞ ከይትተርፉ። ስውእቲ ብጸይትና ምሕረት እምበኣር ዋላ’ኳ ንሳዶ ቀዲማቶ ወይስ በዓል-ቤታ ቀዲሙ፡ ከምኡ’ውን ዓይነት ሕልፈታ እንተዘይተነጸረ ንምሕላፍ’ሞ ሓሊፋ ኣላ። ዝኾነ ይኹን ድማ ከምቲ ምስላ ናይታ ቡርኩታ እምኒ ዘላታ፡ ሕልፈት ብጸይትና‘ውን ንተረፍቲ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝህልዎ እተኣማመን ኢየ። ሓቀይ’የ’ውን፡ እንዳ መን ኣመኖምከ መን ይእመኖም?

 

 ዘልኣለማዊ ዝኽርን ዕረፍትን ንስውእቲ ብጸይቲ ምሕረት ተኹሉ!

ንደቃን ቤተ-ሰባ ድማ ጽንዓት እምነ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ’ውን ንሰማእታትና!
ጎደፋ፡ 20.04.17

Top
We use cookies to improve our website. More details…