ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን

Print

ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሓባር ጽንብል ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣሳላሲለን፣ ኣብቲ ብዕለት 10 መስከረም 2017

ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዳለወ፣ መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ርሕቑን ቀረባን ዝመጹ፣ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ጽንብል ነይሩ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ፣ ጉዳይና ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፣ ስለዝኾነ ድማ ሓቢርና ንቃለስ ኣብ ዝብል ብሰፊሕ ገሊጹ።

..ከምኡ ውን ኣቶ መሓመድ ዓሊ ልባብ ተመሳሰሊ፣ ካልኣዊ ጉዳያት ንጎድኒ ገዲፍና፣ ኣብ ንገብሮ ሃገራዊ በዓላትና ብዝደመቐ ክነብዕሎ ለበዋ ኣተሓላሊፉ።

ኣቶ ሑመድ ኩል ብወገኑ እቶም ብመሪሕ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ዝጀመረ ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ጽንኩር ኩነታት ከምዝነበረ ኣስፊሑ ገሊጹ።

We use cookies to improve our website. More details…