መዓልቲ ጀበርቲ 2018 ኣብ ሆላንድ ብምድላው ባይቶ ማሕበራት ጀበርቲ ኤውሮጳ

 መዓልቲ ጀበርቲ 2018 ኣብ ሆላንድ ብምድላው ባይቶ ማሕበራት ጀበርቲ ኤውሮጳ 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሐትን ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ባይቶ ማሕበራት ጀበርቲ ኤውሮጳ ከምቲ ዝሐለፈ ዓመት ሎሚውን ኣብ ትሕቲ ምዕባሌ ሕብረተሰብና ኣብ ግብራዊ ስራሐትና ዝብል ጭርሖ ንሰለስተ መዓልቲ ካብ 30-03-2018ን ክሳብ 01-04-ን2018 መዓልቲ ጀበርቲ ንገብር ስለዘለና ንኹሉ ዝግደስ ኣካል ሕብረተሰብና ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ናይዚ መዓልታት እዚ ተኻፈልቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም ኣለና፡

ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ሆላንድ ኮይኑ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳትፍ መደብ ዕዮ ዝሐዘ ድሙቕ በዓል እዩ፡ ፍሉይ መደቀሲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣዳሊና ኣለና፡


ዋጋ ንነብሲ ወከፍ ተኻፈልቲ ንሐደ ሰብ 150 ኤውሮ ምስ መደቅስን መግብን እዩ፡ ቦታ ንምሐዝ በዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስምን ቁጽሪ ባንክን 
Eritrese Jeberti vereniging Nederland IBAN NL 46 ABNA 0439730996

ከኽፍል ይከኣል እዩ፡ ተሳታፍነት ዝረጋገጽ ድማ እዚ ዝተጠቕሰ ገንዘብ ኣብዚ ዝጠቕስናዮ ቁጽሪ ሕሳብ ምስ ኣተወ ጥራሕ ምዃኑ ነተሐሳስብ: ብባንክ ክኸፍል ዘይክእል ድማ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት ክረዳዳእ ይኽእል እዩ፡ ኣድራሻን መጎዓዝያን ኣብቲ ዝመጽ ሐበሬታ ክንልእከልኩም ኢና፡ ንዝኾነ ሕቶታት ንምውካስ በዚ ኢመይልን ኣስማትን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ክትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ንተወሳኺ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ ተወከሱና

ናስር ኢብራሂም ወዲ ከንቲባ +31 643819333

ሲዒድ ኣማን +31 630354698

ምስ በዙሕ ሰላምታ ብደሐን ምጹ ኣዳላዊት ሽማግለ ባይቶ ኤውሮጳ ሆላንድ። 27/09/2017

Top
We use cookies to improve our website. More details…