እቲ ጌጋ ምእንቲ ከይድገም November 27, 2017

Print

 

 

እቲ ጌጋ ምእንቲ ከይድገም፣ November 27-2017- ኣማኒኤል ሳህለ

ታሪኻዊ ምስሊ (ስእሊ) ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ? ህግደፋዊ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ናይ መጻኢ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ኪመስል እዩ? እዚኣቶም ገለ ካብቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዚለዓሉ ሕቶታት ኢዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ።

ነታ ቐዳመይቲ ሕቶ ብዚምልከት፡ ኩሉ ዕድመ ዝደፍአ ኤርትራዊ ነቲ ዝሓለፈ ማለት ቅድመ-ህግደፍን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት ብተመክሮ ይፈልጦ እዩ ኢለ እሓስብ። ኣብ 50ታት፡ ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ምስ ኩሉ ጸጋታታ ከይተረመሰትን ከይተዋረደትን ከላ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እታ ብኢንዱስትሪ ዝበልጸገት ሃገር እያ ነይራ። ከምዚ ሕጂ ብኹሉ ኣሉታዊ መዳያት ከይተኸፋፈለት ከላ ድማ ብናይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ብሔራውን ስኒትን ብናይ ሓቢርካ ምንባር ጥበብን ካብተን እተመስከረለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ከም ዝነበረት ኩሉ ኤርትራዊ በዓል-ታሪኽ ዚፈልጦን ዘረጋግጾን ሓቂ እዩ።

ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብቲ እዋንቲ ካብ ሃገርካ ተሰዲድካ ናብ ባዕዲ ሃገር ምኻድ ከም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዝረኣየሉ ዘመን ከም ዝነበረ ኣነ ባዕለይ ኣርኪበሉ እየ። ኤርትራውስ ሕጂ እዩ ስደት ቀሚሱዎን ፈሊጡዎን፡ ንሃገርካ ራሕሪሕካ ምኻድ ድማ ከም እንኮ ናይ ጸገማት ፍታሕ ገይሩ ወሲዱዎ ኣሎ። ነታ ኻልአይቲ ሕቶ ንምምላሽ ብዙሕ ሓበሬታን መርትዖታትን ዘድሊ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ሓደ ኤርትራዊ ፍሉይ ናይ ኣእምሮ ጸገማት እንተ ዘይሃሊዩዎ ወይ ድማ ብስስዐን ውልቃዊ ረብሓን እተዓብለለ ኣመለኻኽታ እንተ ዘይሃሊዩዎ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ሰፊኑ ዘሎ ኣዕናዊ ኩነታት ንኸለልን ንኽግምግምን ዝእግሞ ኣይመስለንን። ምናልባት ኪጽግሞ ዝኽእል፡ ነቲ ነዚ ኹሉ ብስረትን ዕንወትን ዘስዓበ ውድባውን ፖለቲካውን ጠንቅታት ብሳየንሳዊ መገዲ ኪትንትኖ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሓደ ሓባራዊ መደምደታ ንኺበጽሕ ዘይምኽኣሉ ኪኸውን ይኽእል። ይኹን ምበር፡ ዝኾነ ምሁር ይኹን ወይ ብሱል ኣእምሮ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ሓቅን ሻራን ተጒላባን ዘይብሉ ኣገባብ ብምኽታልን፡ ከም ዓቕሙ መጠን ብምምርማርን ብምፍታሽን ኣብ ሓደ ሓባራዊ መደምደምታ ብምብጻሕን ፍልጠቱ ንኻልኦት ብምክፋልን፡ ነቲ ሕጂ ዘሎን ናይ መጻእን ጸገማትና ንምፍታሕ ትንኣስ ትዕበ ውልቃዊ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል እዩ ኢለ እኣምን። ነታ ሳልሰይቲ ሕቶ ንምምላሽ ግን ኩሉ ኤርትራዊ ኣቐዲሙ ነብሱ ብምፍታሽ ዕማሙ ኪጅምር ከም ዚግባኦ ክሕብር እፈቱ።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ እተፈጸመ ውድባውን ውልቃውን ጌጋታት ብወገኑ ንኸይደግሞ ወይ ድማ ኣብ ምፍጻሙ ኣበርክቶ ንኸይገብር ኪጥንቀቕ ይግባእ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ናይ ሃገሩ ድሕነት ወይ ህላወ ከቐድም ይግባእ። ሃገር እናበረሰት ከላ ናይ ሃገሩ ድሕነት ኣወንዚፉ ኣብ ፈላለይቲ ዝኾኑ ሕቶታትን መሰረታውያን ዘይኮኑ ጸገማትን ጥራይ ምስ ዘተኩር፡ ነቶም ብምኽንያት ሓድሓደ ድኽመታት ኣቦታትና፡ ከምኡውን ነዚ ኣብዚ ግዜዚ ዚረአ ዘሎ ብስረትን ጥፍኣትን ጠንቂ ዝኾኑ ጌጋታት ይደግሞምን ከም ተላጋቢ ሕማም የተሓላልፎምን ከም ዘሎ ኪርስዕ ኣይግባኦን።

ንሕና ኤርትራውያን ዘይተዓረየ እእምሮን ኣመለኻኽታን ዝንቡዕ ኣረኣእያን፡ ኣብ ገለ ሃይማኖት እተሞርከሰ ምትሃታዊ ሕልምን ራእይን ሒዝና ንዓድና ምስ እንምለስ፡ እታ እትፍጠር ኤርትራ፡ ወላውን ብናይ ውሽጣዊ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ጽቡቕ ዕድላትን ተደጊፋ ነቲ ብናይ ኸባቢኣን ብናይ ባዕዳዊ ጽልዋታት ኪገጥማ ዚኽእል ብድሆታት መኪታ ንቕድሚት ክትስጉም እንተ ኸኣለት፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣፍራሲ ባህርያት 2 ዜጋታታ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ንድሕሪት ኪጎታን ኣብ ናይ ጸገማት ረግረግ ኪሽምማን ከም ዚኽእል ኩሉ ኤርትራዊ ኪፈልጦን ኪግንዘቦን ይግባእ። ገለ ካብቶም ድኽመታት፡ እቲ ዝዓበየ ትዅረት ኪወሃቦ ዘለዎ፡ ናይ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ወይ ጥሩፍነት ከም ኣብነት ኪውሰድ ይከኣል። ኣብዚ እዋንዚ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ንዓለምና ዝበከላን ንኹሉ ሰብ ድማ ዝለኸፎን ይመስል ኣሎ።

ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብተን ስልጡናትን ምዕቡላትን ሃገራት ዚብሃላ ከም ኣመሪካ ዝመሰላ ሃገራት ከይተረፈውን መሰረቱ ኣደልዲሉ ብምህላዉ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣንቢርናዮ ዘሎና ብሩህ ተስፋ ኣብ ስግኣት ከየውድቖ ብምስጋእ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ነዚ ንምቅላስ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ካብ ጸቢብን ፈላላይን ኣተሓሳስባ ንምልቓቕ ጻዕሪ ኪገብር ይግባእ። ነቲ ጥሩፋዊ ኣተሓሳስባኡ ብናይ ተጻዋርነትን ናይ ህየሳዊ ኣተሓሳስባ መንፈስን ኪምክቶ ይግባእ።

ጥሩፍነት ብኹሉ መዳያቱ ኣብ ዘይንቡር ነገራት ከም እትኣምን ስለ ዚገብረካ፡ ዘይንቡር ነገራት ክትፍጽም ድማ ይዕድመካ። ምዕባለ ዘየቐድም ሃይማኖት፡ ማለት ዳይናሚክ ዘይኮነ ሃይማኖት፡ ብዘይካ ፍልልይን ጽልእን ቅርሕንትን ጸኒሑ ድማ ድሕረትን ድንቁርናን ምስፋን፡ ካልእ ዘፍርዮ ነገር የልቦን። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዘለዉ ዜጋታት ይጥርንፍ። ምስዚ ስዒቡ ዚመጽእ ድማ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ደምበታት እዩ። ኣብ ምትንታን ነገራት ንኺጥዕም ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ሲቪልን ዘሎ፡ ናይ ሜዳ ቃልስን ተመክሮን ብሓደ ወገን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብኡ ብዘይምስታፍ ከስዕቦ ዚኽልእ እተፈላለየ ፖለቲካውን ስነልቦናውን ዝንባሌታትን ኣመለኻኽታን፡ ኣብ ግምት ምእታዉ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ባዕሉ ይኹን ብናይ ተቓውሞ ሓይልታት ምፍራሱ ኣይክተርፎን እዩ።

ግን ኩሉ ዚፈርስ ነገር ብምሉኡ ይሕደስ እዩ ኪብሃል ኣይከኣልን። ኣነ ብወገነይ ለውጢ ኪብሃል ከሎ ብእተኻእለ መገዲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣሰራት ከንጸባርቕ ኣይግባእን ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ፡ ከመይሲ ካብ ዝሓደረ ብሑቕ እተትርፎ ንእሽቶ መባዅዕቲ፡ ነቲ ሓድሽ ብሑቕ ከብኵዖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሓድሽ ዚብሃል ነገር ብመሰረቱ ሓድሽ ከይከውን ይኽእል እዩ። ይኹንምበር፡ ናይዚ ተርእዮዚ ኣሉታውን ኣወንታውን ውጽኢት ኣብቲ ራእይን ብርታዐን ድራኸን መርገጽን ናይቲ ዚትክእ ሓይሊ እዩ ዚምርኮስ። ናይዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ረቛሒታት ኣብ እተፈለየ መርገጺታት እተመርኮስ ተዋሳእነት፡ ነቲ ዚመጽእ ምስሊ ኤርትራ ብኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ መገዲ ኪጸልዎ ከም ዚኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን፡ እቲ ተዋሳእነት ኣወንታውን መሰረታውን ጽልዋ ኪህሉዎ ዚኽእልን ከም ቀንዲ ናይ ምህናጽ ሃገር ዓንዲ ዚኸውንን፡ ንሃገራዊ ድሕነት ቀዳምነት ምስ ዚህብ ጥራይ እዩ። ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ምስራዕ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።

ካልእ እንተ ተረፈስ ዓድኻ ሒዝካ እኳ ትጸንሕ። ምስሊ መጻኢት ኤርትራ፡ ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታትን፡ በቲ ኣብተን ጎረባብትን ኣብተን ሓያላት ሃገራትን ዚፍጠር ናይ ፖሊሲታት ለውጥን፡ ብገለ ጠንቅታት ብዚለዓል ናይ ሓይሊ-ሚዛን ምዝንባልን ወዘተ. ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ነቲ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ከከም ኣመጻጽኣኡ ክንፈትሖ ክንፍትን ኢና፡ ነቲ ክንቆጻጸሮን ኣብ ኢድና ዘሎን ብድሆታት ግን ግዜ ከይወሰድና ንምምካቱ ክንጽዕር ይግባእ። እሞኸ ሰላምን ስኒትን ብልጽግናን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽን ጌጋ ንኸይንደገምን ካባና ዚድለ እንታይ ኪኸውን ይኽእል? ወድሰብ ዓዲ ወይ ቀቢላ ኪሃንጽ ቅድሚ ምጅማሩ ብስድራቤቱ እዩ ዚጅምር።

ነቲ ስድራቤት ኪቆጻጽር ምስ ከኣለ ኸኣዩ ናብቲ ከባቢኡ ከተኩር ዚጅምር። ነቲ ስድራቤት ከየደልደለ ናብቲ ከባቢኡ ከተኩር ኣይደልን፡ ምኽንያቱ መሰረት ከየደልደለ ገዛ ኪሃንጽ ስለ ዘይደሊ። እቲ ናይ ስድራቤት ወይ ናይ ሃገር ምዕራይ ድማ ካባና ኪጅምር ይግባእ፡ ምኽንያቱ ስድራቤት ብውልቃውያን ሰባት እዩ ዚስራሕ። ዘይጥዑያት ውልቃውያን ድማ ጥዑይ ስድራቤት ኪምስርቱ ኣይክእሉን። እምበኣር ሰላምን ስኒትን ብልጽግናን ዝሰፈና ኤርትራ ንምምስራት፡ ኣመለኻኽታና ክንልውጥ፡ ትስፉውን ብሩህን ራእይ ኪህልወና፡ ፍልልያትና ከነጽብብ፡ ካብ ጌጋታትና ክንምሃር፡ ንድሕሪት ገዲፍና ንቕድሚት ክንሓስብ፡ ግጉይን 3 ቅኑዕን ሓበሬታ ከነለሊ፡ ኣእምሮና ከነስፍሕ፡ ጸገማትና ከነለሊ፡ ዕላማና ሓደ ክንገብር፡ ካብ ስምዒት ንላዕሊ ንኣእምሮና ከነሕስቦ ክንጽዕር፡ ወዘተ. ኣገዳሲ ይኸውን። ዝንቡዕን ዝንቡልን ኣረኣእያናን፡ ሰንኮፍ መርገጺናን፡ ድሩት ራኢናን፡ ሕልማዊ ኣጀንዳናን ሒዝና ናብ ሃገርና ምስ እንምለስ ወይ ንሃገርና ክንሃንጽ ምስ እንፍትን፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገርና ዘማሰና ጌጋታት ንኽንደግሞ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ገለ ለባማት ሰባት፥ ወድሰብ ካብ ጌጋኡ ወይ ካብ ታሪኽ ኣይመሃርን እዩ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም። እዚ ብሂልዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ይኹንምበር፡ ካብዚ ንሃገርና ወሪዱዋ ዘሎ ብርሰትን ዕንወትን ክንምሃር እንተ ደኣ ዘይክኢልና፡ በዛ ንእሽቶ ፍጻመ እዚኣ ጥራይ ክንሓፍር ይግባኣና፥ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ሓንቲ እምኒ ዓንቂፋቶ፡ ሓወይ! ደሓን ዲኻ! ድማ ተባሂሉ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ እታ እምቲ እቲኣ ደጊማ ዓንቂፋቶ። ሽዑ ግን ምስኡ ዝነበሩ ሰባት እታ እምኒ ዘይኮነትስ ንሱ ባዕሉ እምኒ ከም ዝኾነ እዮም ዝሓበሩዎ ይብሃል።

ኣማኒኤል ሳህለ

27 ሕዳር 2017

We use cookies to improve our website. More details…