ኤርትራ – ጀበርትን ሕቶ ኢትኒካዊ መንነትን MAY 10-2017 (ብተወልደብርሃን ገብረ)

Print

ኤርትራ – ጀበርትን ሕቶ ኢትኒካዊ መንነትን  MAY 10-2017 (ብተወልደብርሃን ገብረ)

ኣብ 1993 ኢዩ። መምህርን ሓላፊ ክፍልን ኮይነ ብዘጋጠመኒ ክጅምር። ኦርኒክ ተማሃሮ ናይ ዝኣልያ ዝነበርኩ ክፍሊ ኣብ ዝመልኣሉ ዝነብርኩ ጊዜ ኢዩ። ካብ ትሕዝቶታት እቲ ኦርኒክ – ስም ኣቦ፡ ስም ኣደ፡ ዕድመን ብሄርን ተማሃሮ ከም ዝነበረ ይዝክር። ሓንቲ ካብ ተማሃሮይ ብሄርኪ ኢለ ምስ ሓተትኩዋ ጀበርቲ ኢላ መለሰትለይ። ጀበርቲ ዝብል ወግዓዊ ብሄር ስለ ዘይነበረ በቲ ኩነታት ተተንኪፈ ጀበርቲ ዝባሃል የሎን ክብላ ሕልናይ ኣይገበረለይን። በዚ ድማ ሕራይ ኢለ ናብቲ ካልእ ሕቶይ ማለት ምሉእ ስም ኣደ፡ ዕድመ ወዘተ ቀጸልኩ። እታ መንእሰይ ኣዚያ ትሕቲ፡ ምጭውትን ኣብ ክፍሊ ካኣ ልዑል ተሳታፍነት ዝነበራ ተማሃሪት ስለ ዝነበረት ነቲ ብሄረይ ጀበርቲ ኢዩ ዝብል እምነታ ሰጊረ ነቲ ዝተረፈ ብምምላእ ነቲ ብሄር ዝብል ባዶ ሰጊረዮ ከድኩ። ኣብ በይና ከዛርባ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝመጸኒ ኣብ በይና ረኺበ ከዛርባ መረጽኩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ተማሃሮ ኢኺ ኣይኮንክን ክብላ ፈጺመ ኣይደፈርኩን።

ስሚዒት ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ነቲ ዘጋጠመኒ ኩነት ነታ መንእሰይ ብዘይትንክፍ መንገዲ ክፈትሖ ኔሩኒ። በዚ ምኽንያት ኣብ በይና ከዘራርባ ወሰንኩ። ኣብ በይና ወሲደ ካኣ ከብራሃላ ፈተንኩ። ከምዚ ብምባል፡- ንስኺ ሓቅኺ ኢኺ ግን ጀበርቲ ዝባሃል ብሄር ብመንግስቲ ተፈላጥነት የብሉን እሞ ትግሪኛ እንተ በልኩዎ እንታይ ይመስለኺ ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ግን መምህር ኣነ ትግሪኛ ኣይኮንኩን ቋንቋይ ግን ትግሪኛ ኢዩ ክትብል መለሰትለይ። ብትብዓታ ብምግራም ኣነ ተረዲኤኪ ኣሎኹ ግን ኣነ ኣብ ኦርኒኪ ጀበርቲ እንተ ጌረዮ ንዓይ ሓደገኛ ኢዩ በልኩዋ። እዛ መንእሰይ ብስንባደ መምህር ብሰንኪ’ዚ ክትእሰሩን ክትሽገሩን ኣይደልየኩምን ኢየ። ሳዕቤን እንተ ሃሊዩዎ ግን ዳሓን በቲ ዝመሰለኩም ምልእዎ በለትኒ። የቐንየለይ ኢለ ብምፍናው ጀበርቲ ዘይኮነ ትግሪኛ ኢለ ኦርኒከይ መላእኩዎ። እዛ ተማሃሪት 9ይ ክፍሊ ዝኾነት መንእሰይ ኣዚያ በላሕን ብስነ-ምግባራ ካኣ ኣበር ዘይነበራ ኢያ። ኣነውን ብድሕሪኡ ስሚዒታ ከይ ጉዳእ ብምባል ብጥንቃቀ ክሕዛን ከተባብዓን ጀምርኩ። ቋንቋ እንግሊዝን ታሪኽን ይምህር ስለ ዝነበርኩ በቲ ሓደ ናይ ክፍሊ ሓላፊ ድማ በቲ ካልእ ዳርጋ ካብታ ክፍሊ ኣይፍለን ኢየ ዝነበርኩ።

እዛ መንእሰይ ንዓይ ብጌጋ ወይ ካብ ዘይምፍላጥ ዝበለቶ ዘይኮነስ ሓቐኛ እምነታ ምንባሩ ኢየ ተገንዚበ። ብቐንዱ ካኣ እቲ ጀበርቲ ዝብል ብሄራዊ ስሚዒትን እምነትን ናይ ውልቃ ሓሳብ ጥራሕ ከም ዘይነበረ ንምርድእኡ ጊዜ ኣይወሰደለይን። ብጀበርቲ ዝፈልጦም መማህርቲ ስለ ዝነበሩኒ ጀብርቲ ዝብል ስያመን መን ምዃኖምን ፈሊጠ ዝዓበኹ ብምንባረይ ብሄራዊ መንነት ብዘይካ ቋንቋ ካልእ መምዘንታት የብሉን ዲዩ ዝብል ኣብ ርእሰይ እናሳዕ ዝመላለስ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ኩሎም ጀበርቲ ኣመንቲ ምስልምና ኢዮም። ኩሎም ጀርበርቲ ካኣ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግሪኛ ኢዮም። ጀበርቲ ዘይኮኑ ኣመንቲ ምስልምና ግን ካኣ ብሄረ ትግሪኛ ኣሎዉ። ካብ ስድራይ ከይተረፉ ማለት ኢዩ። ገና ኣነ ከይተወለድኩ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት ዕድሚኡ እምነት እስልምና ዝተቐበለ ካብ ርሕቕ ዝበለ ጎደቦ ስድርኡ ሰጒጎሞ ኣብ ገዛና ተዓቊቡ ኣብ ገዛና ምስ ናቱ እምነት ዘሎዋ ጎርዞ ተመርዒዩ ዝወጸ ሎሚ ሰፊሕ ስድራ ዝኾነ ቤተሰብ ኣሎኒ። ኣብ እዋኑ እንዳ ኣቦይ ገብረ ኣስላማይ ዘመዶም የምርዑዉ ኣሎዉ ተባሂሉ ጉድ ዝተባሃለሉ ኢዩ ኔሩ።

ጀበርቲ ከም ዝኾነ ኤርትራዊ ገሊኦም ብሕርሻ ገሊኦም ካኣ ብንግዲ ይናበሩ። ጀበርቲ ዋላኳ ኣብ ኩሉ ከባብታት ዝነብሩ እንተ ኾኑ ብብዝሒ ዝነብሩሉ ግን ኣብቲ ብሰራየ ዝፍለጥ ከባቢ ኢዮም ዝነብሩ። ጀበርቲ ዘየብሉ ናይ ሰራየ ክፍሊ ኣነ ኣይፈልጥን። ጀበርቲ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ሰራየ ዝተደኮና ጥንታውያን ዓበይቲ ዓድታት ኣሎዋ። ኣብ ኩሉ’ዚ ከባብታት ካኣ ብጀበርቲ ይፍለጡ በዚ ስም ካኣ ይጽዉዑ። ልክዕ ኢዩ ሰብ ምስ ሰብ ይተሓዋወስ ይዝምድን ይወልድን ኢዩ። በዚ ሊዒለ ዝሃብኩኹም ኣብነት ናይ ቤተ-ሰብ እንተ ወሲድናዮ ባዓልቲ ቤቱ ጀበርቲ ኢያ። ንሱ ኣይኮነን። ሕጂ ኣብ ካላኣይ ወይ ሳልሳይ ወሎዶ እዞም ስድራ ካብ ናብ ትግሪኛ ናብ ጀበርቲ ይቐርቡ። ወሎዶታት ኤርትራ እንተ ሪኢና’ውን ካብ መጀመርታ ትግሪኛ ወይ ትግረ ወይውን ሳሆ ኮይኑ ናብ ኤርትራ መጺኡ ዝብል እምነት የብለይን። ታሪኽናውን ካብ ካልእ ዓሌታት ከም ዝመጻእና ኢዩ ዝሕብረና።

ጀበርቲ ጀበርቲ ኢየ’ሞ ብጀበርቲ ኢየ ክጽዋዕ ዝደሊ እንተ በለ ንትግሪኛ ዝጸለኣ ኮይኑ ክስማዓና የብሉን። ምኽንያቱ ትማሊ ጀበርቲ ኢልና ንጽዉዖ ዝነበርና ህዝቢ ሎሚ ጀበርቲ ኣይኮንካን ክንብሎ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንጀበርቲ ጀበርቲ ኣይኮንኩምን ኣይበለን። ቀደምን ሕጂን ጀበርቲ ኢሉ ኢዩ ዝጽዉዖም። ምኽንያቱ ብዘይካ እቲ ኤርትራዊ ናይ ሓባር መንነት ውልቃዊ መንነት ህዝቢ ጀበርቲ ጀበርቲ ኢዩ። ጀበርቲ ኣይኮንኩምን ዝብል ዘሎ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኢዩ። ቋንቋ እንተ ኾይኑ እቲ መምዘኒ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኢትኒካዊ መንነት ብቋንቋ ጥራሕ ኣይኮነን ዝውሰን። ከምኡ እንተ ዝኸውን ኔሩ አዞም ሎሚ ቋንቋታት እንግሊዝን ፈረንሳን ካልእን ዝዛረቡ ኣፍሪቃውያን እንግሊዛውያን ወይ ፈረንሳውያን ዓሌት ምስ በልናዮም ኔርና። ግን ኣይኮኑን።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ጀበርቲ ጀበርቲ ስለ ዝኾኑ ወይ ብጀበርቲ ስለ ዝተጸዉዑ ንዝኾነ ኤርትራዊ ዝጎድሎ ወይ ዝኸስሮ ክሳራ የሎን። ብኣንጻሩ ንሓደ ዓቢዪ ህዝቢ መንነተይ ዝብሎ መንነት መንዚዕካ ናትካ መንነት ካልእ ኢዩ ክትብሎ ዓቢዪ ሃስያ ኣሎዎ። ሃስያ ንዕዑ ሃስያ ነቲ ዝተረፈ ሕብረተ-ሰብ። ምኽንያቱ ንሰላም ሓደ ሃገር ብኣሉታ ስለ ዝጸሉ። ንሓደ ክፋል ካብ ህዝብና ብዘይ ድሌቱ ንስኻ ዓሌትካ ጀበርቲ ኣይኮንካን ትግሪኛ ወይ ሳሆ ወይ ትግረ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ሰብ-ኣዊ መለክዒ ኢዩ? ንመንከ ረብሓ ይህብ። ጀበርቲ ከም ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ሕማቅን ጽቡቕን እዛ ሃገር እጃም ኔሩዎን ኣሎዎን። ስለዚ ብዘይ ድላዩ ንዝኾነ ካብ ህዝብና ንስኻ/ንስኺ ትግሪኛ ኢኻ/ኣይኮንክን ኢልካ ናብ ዘይድለ ፍሕፈሐ ምእታው ንምንታይ የድልየና? ኣብ ዝተናወሐ እዚ ተግባራት ንኤርትራዊ መንነት ብፍላይ ድማ ነቶም ህጻናት ዝጎድእ ኢዩ። እዛ ኣቀዲመ ዝገለጽኩዋ ኣብነታዊት ተማሃሪት ክሳብ ክንደይ ብሕልና ተጎዲኣ ክትከውን ከም እትኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን ኢዩ።

ንቡዙሓት ደቂ ጀበርቲ ክርደኦም ዘሎዎ መንነት ማንም ኣይህበካን ማንም ካኣ ኣይምንዛዓካን ኢዩ። ንጀበርቲ ጀበርቲ ኣይኮንኩምን ዝብል ዘሎ ሓይሊ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል እምበር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግሪኛ ድማ ብፍላይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጠኩም ብጀበርቲ ኢዩ። ንግዚኡ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ብናቱ ፖለቲካዊ ዉሳነ ጀበርቲ ኣይኮንኩምን ትግሪኛ ኢኹም ይብል ኣሎ። ክንዝንግዖ ዘየብልና ግን ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ስርዓት የሎን። እቲ ጊዜ ይንዋሕ ይሕጸር እቲ ዝመጽእ ስርዓት ዝቅይሮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ በዚ እዋናዊ ውሳነ ፖለቲከኛታት ኣማሪርኩም ምስ ሓፋሽ ህዝብኹም ኣብ ዘየድሊ ምትህልላኽ ኣይትእተዉ። ከምዚ ኸማይ ዓሻ ብዝበሎ ንዓሌተይ ከተማርሩ ኣይግባእን። ኣነ ውልቀ-ሰብ ኢየ። ኣይኮነን ንሓደ ዓቢዪ ህዝቢ ንስድራይ’ውን ኣይውክልን። ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ነጻ ንምግባር ዝተገብረ ሓርነታዊ ገድሊ ዘረጋገጾ ነጻነት ካልእ ዝተመለሰ ሕቶ ህዝቢ የሎን። ንሕቶ ጀበርቲ ኣብዚ ሰኪዔት እንተ ኣእቲናዮ ኣብ መድረኽ እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ፈቲዩ ጸሊኡ ዝቅበሎ ጉዳይ ኢዩ።

ብወገነይ ንሕቶ ህዝቢ ጀበርቲ ኣብ ውሽጢ እቶም ዓበይቲ ዲሞክራስያዊ ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣእትየ ክርእዮ ምስ ፈተኹ። ምኽንያቱ እዚ ሕቶ ደቂ ጀበርቲ ሕቶ ሰብ-ኣውነትን ዲሞክራስያውን ስለ ዝኾነ። ንሕቶ ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ክምልስ ድሌት ንዘየብሉ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምንታይ ዘይመለሰልና ኢልካ ምክርኻር ኣብ ዘይሰምዓካ ገዳም ከም ምምህላል ኢዩ ዝቁጸር። እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ክርክራት ግና ምስቲ በዚ ሕቶ ናይ ደቂ ጀበርቲ ምንም ተቓዉሞ ዘይብሉ ሓፋሽ ህዝቢ ኢዩ። ንምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ማዓስ ኢዩ ወሃብን ከላእን ኮይኑ? ህዝቢ ኤርትራ ንጀበርቲ ጀበርቲ ኣይኮንኩምን ኣይበለን። ህዝቢ ኤርትራ ቀደም ንጀበርቲ ብጀበርቲ ይፈልጦም ሎሚ እውን እንተ ኾነ ከምኡ። ገለ ደቂ ጀበርቲ ቋንቋና ዓረብ ኢዩ፡ ትግሪኛ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እዚ ኣባሃሃላ’ዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣይቅይሮን ኢዩ። እዚ ኣባሃሃላ ገለ ዉሱናት ደቂ ጀበርቲ ኣሕዋት ነቲ ዝዓበየ ሕቶ መንነት ጀበርቲ ብኣሉታ ዝሃሲ ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ካልእ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላልፍ። ጉዳይ ቋንቋ ዓረብ ምስ ሕቶ መንነት ጀበርቲ ሓዋዊስካ ምምጻእ ቁኑዕ ኣይኮነን። ንፍተዎ ንጽላኣዮ ቋንቋ ዓረብ ናይ ኩላትና ሃገራዊ ቋንቋ ኢዩ። ወለድና ንቋንቋ ዓረብ ከም ሃገራዊ ቋንቋ ክፈልጥዎ እንከሎዉ ናይ ሓደ ወገን ወይ ክፋል ሕብረተሰብና ስለ ዝኾነ ኣይኮኑን። ሃገራዊ ቋንቋ ኢዩ ኩሉ ሃገራዊ ካኣ ነቲ ቋንቋ ብማዕረ ክርደኦ ኣሎዎ። ሃገራዊ ቋንቋ ኮይኑ ዘይሙዕሩይ እንተ ኮይኑ ዘይሙዕሩይ ተጠቃምነት ኣሎ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ በቲ ዝድለ መንገዲ ኣይከደን። ብዙሕ ምኽንያታት ይህልዎ ይኸውን ግን ናይ ጊዜ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ብዘሎ ፖለቲካዊ ክፍተት ተደሪኽና ዘየድሊ መልእኽትታት ንህዝቢ ከነማሓላልፍ ኣይግባኣናን ኢዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ሓላፍነታውያን እንተ ዘይኮይና እቲ ዝመጽእ ወሎዶ ኢዩ ዝኸፍሎ። ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ሎሚ ዝዘራእናዮ ጽባሕ ንሕና ዘይኮነ እቶም ዝቅጽሉ ወሎዶታት ኢዮም ዝሓፍስዎ። መበቆል ሽግራትና እንተ ዘይፈሊጥናዮም ምስ ዘይመባእስትና ኢዮም ዘባኣሱና።

ወደሓንኩም!

We use cookies to improve our website. More details…