ግንባር ጀበርቲ ኣቑምኩም

Dr. Abdu Abdu Khalifa- Part 1

ግንባርኩናማ፡ግንባርሳሆ፡ግንባርጀበርቲኣቑምኩም"ክብልይስማዕ ኣሎ

እቲ ናብ ወያነ/ተጋሩ ዝተነበ ጽሑፍ ብዙሕ ሓቅታትን ጽቡቕ መልእኽትን እኳ እንተለዎ፡ ክእረም ዝግብኦ ገለ ጌጋ ማለት ትዕቢትን ሻርነትን ጠቐነን ዝተባዕጦ ወይ ዝሓዘለ መልእኽቲን ጌጋን ዘለዎ ይመስል። ንኣብነት፡ ኣብ መበል ከባቢ 1520 "ወያነ---ግንባር ዓፋር፡ ግንባር ኩናማ፡ ግንባር ሳሆ፡ ግንባር ጀበርቲ ኣቑምኩም "ክብል ይስማዕ ኣንባቢ። እዚ ውጹእ ሓሶትን፡ ጸለመን፡ ትዕቢታውን፡ ሻራውን ጠቐነ ኮይኑ ነቲ ረዚን መልእኽቲ ዘፋኹስን ኣንፈቱ ዘስሕትን ኮይኑ ይርከብ። ፈለማ፡ ግንባር ጀበርቲ ዝበሃል የለን። ብወያነ ዝቖመ "ግንባር ጀበርቲ" ዝበሃል እንተሎ ኣምጽኡልና። እዚ ዝበልኩሞ ነእዛና ጋሻ እዩ። ወይ ኣምጽኡ፡ ወይ ተኣረሙ።

ምናልባት፡ 'ግንባር ጀበርቲ' ማለትኩም፡ ሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ(ናህዳ ማለት ትንሳኤ ማለት እዩ) ማለትኩም እንተኮይኑ፡ ስለምንታይ በቲ ግቡእ ዝጽውዕሉ ሽሞም፡ ማለት፡ 'ሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ' ኢልኩም፡ ዘይትጽውዑዎ? ኣጉል ትዕቢት? መስፍንነት? ትምክሕቲ? ምድንጋር? ሕራይ፡ ንሰልፊ ናህዳ፡ 'ግንባር ጀበርቲ' ካብ በልኩማ፡ ሻርነትቭከጥቃዓኩም፡ ንግንባር ኣጋእዝያን 'ግንባር ትግርኛ' ኢልኩም፡ዘይትጽውዕዎ? ብሓቂ ከኣ ግንባር ትግራይ-ትግርኛ እዩ። ኣይኮነን ድዩ? ንስኹም ንሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ 'ግንባር ጀበርቲ' ኢልኩም ተጸዊዕኩማ፡ ሰባት ዋን ኔሽን ልክዕ ከም ህግዲፍ፡ 'ግንባር ትግርኛ' እንተበልዎ ትኽክል ይመስለኩም? ስለምንታይ? ከምኡ ድዩ? እዚ ምስ መሰል ህዝብታት፡ መሰል ናጻ ምትእኽኻብ ክሳብ ምውዳብ ምግሃስ ኣይቁጸርን? ምንሻውን፡ ዝንቡዕ ፖለቲካን ስለምንታይ ኣድልዩ? እንታይ ንምኽሳብ? ንመን ንምኽሳብ? ንመን ኣጓኒኻን፡ ኣዋሲንካን ኣግሊልካን ንመን፡ምሕቋፍ?

ሰልፊ ናህዳ ኣኤረትርያ፡ ግንባር ድዩ? ግንባር ኣይኮነን። ዕጡቕ ሰራዊት የብሉን። ቃልሱ ብሰላማዊ መገዲ እምበር ብጎነጽ ዝኣምን ኣይኮነን። ስለምንታይ ግንባር ኢልኩሞ? ብረት ኣልዒሉ በረኻ ዝወጸ ኣሎ? ኣይግብኦን እዩ ማለተይ ኣይኮንኩን። መሰሉ እዩ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ክገጥሞ። ግን ጎነጻዊ ኣይኮነን።

ስለምንታይ'ከ፡ ብወያነ ከምዝቖመ ጌርካ፡ ዘይነበረን ዘየሎን ትገልጹ? ሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ ንቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤረትርያ ንምቅላስን ዝተጋህሰ መሰል ደቂ ጀበርቲ ንምውሓስን 2006 ኣብ ሱዳን ብግዱሳት ኤረትራውያን ተወላድቲ ጀበርቲ እዩ ተመስሪቱ እምበር ብወያነ ኣይኮነን። ምስ ወያነ ዘራኽብ ወላሓንቲ የብሉን። ዝተዛበዐን፡ ኣጸላሚን ሓሶት መልእኽቲ፡ ንምሕላፍ ስለምንታይ ኣድልዩ? ንሕና፡ ዘይንፈልጦ ሚስጢር ትፈልጥዎ እንተለኩም ሃየ ኣፍልጡና።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ እዚ ጌጋታት ገዲፍካ፡ እቲ መልእኽቲ ረዚን ዝምስገንን ይመስል። ኣብቲ ዝሓልፍ መልእኽቲ ግን ጸለመን፡ ጠቐነን፡ ምግናንን፡ ሓሶትን ትምክሕትን እንተተወሲኹዎ ነቲ ረዚን ኣወንታዊ መልእኽቲ ብኣሉታ ይጸልዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ይብሕብሖን(ዘሮ ወይ ባዶ ይገብሮ) ኣንፈት ናይቲ መልእኽቲ እውን ይጠውዮ። መኣዝኑ የስሕቶ።

ግንባር ዋን ኔሽን፡ ዛጊት፡ ከም፡ማንም ውድብን ግንባርን ኣብ ገለ ገለ ኣረኣእየኦም እኳ ዘሰክፍ ኣረኣእያ እንተለዎም፡ ንኣብነት፡ 9 ብሄራት ዝብል ዝንቡዕን ከፋፋሊን ዘየስርሕን፡ ውድቕ-ኣምር-ብሄር ህግደፋውያን፡ ገዲፍካ፡ ኣዝዩ ዝምስገን ስራሕ ክሰርሑ ዝጸንሑን ቅርኒብ ዓይኒ ሓፍ ዘብል ኣድናቖት ክምእርሩ ዝጸንሑ እውን እዮም። ኣነ ሓደ ካብ ኣድናቒኦም እየ ነይረ።

ጽቡቕ ክኸዱ ጸኒሖም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ምትእኽኻብ ንሃገራዊ ዕርቅን፡ ምርድዳእን ፍትሕን ሰላምን ኢሂን ሚሂን ዝሰርሑን ዝሰብኩን ስለምንታይ ሕጂ ናብ ዘየድሊን ኣህላኺን ግዜ ዘባኽንን ዘቀያይምን ናብ ምትፍናንን ምጥቕቓንን ሃለውለው ከእትውናን ክመርሑና መሪጾም?

እንተዘይተጋግየ፡ ሓው ዳኒኤል ዋን ኔሽን ንሃገራዊ ዕርቂ ከምትሰርሕ ገሊጹ ነይሩ። ብኣፍ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ሻቑለተይ ክገልጽ እፈቱ። ዶብ ሰጊርኩም፡ ምስ እቲ ሓሳድን ቀናእን ደምኛ ህዝቢ ኤረትርያን ዝኾነ ወያነ ክትዛተዩን ክትዘራረቡን ክትለኣኹን እንዳሃቀንኩምን እንዳመደርኩምን ወስ እንዳበልኩምን፡ ከመይ እተን ናይ ሰላም ኣእዳውኩም ምስ ኣሕዋትኩምን መቓልስትኹምን መሳውእትኹም ደቂ ሃገርኩም ደቂ ዓድኹም ቀረባ ጎረቤትኩምን መባልዕትኹም መሳትይትኹም መጣፍእትኹምን ኣህዛብ ንሰላምን ዕርቅን ኢሂን፡ሚሂን፡ምርድዳእን ሓቢርካ ምስራሕን ወስ ዘይብላ? ከመይ፡ ዛጊት፡ ሓርቢትኩም፡ ኣእዳውኩም ንሰላም፡ወስ ምባል?

ኩሉና ኤረትራውያን፡ ድሕረባይታና ብዘየገድስ ነኣሽቱ ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ እቲ መላስ-ዓይኒ ዝኾነ ደስ ዘብል ዓይነታዊ ብዙሕነትና( diversity) ሓንጎፋይ ተቐቢልናን መሰል ኩልና ኣኽቢርናን ተሰማሚዕናን ተኸባቢርናን ተሓቓቒፍናን ኣብ ውሽጥና ንፋስ ከየእተና፡ ብጽኑዕ ሓድነት፡ እንተኸድና ኣይሓይሽን? ወላስ "ንሕና ንፈልጠልኩም! ንሕና ጥራይ ኢና ሃገራውያን! ንስኹም - ወገናውያን፡ ጂሃዳውያን፡ ሃይማኖታውያን፡ ዘይሃገራውያን---ወዘተርፈ---- ኢኹም!" ዝብል ኣተሓሳስባን፡ ገና ትምክሕታውነትን መስፍንነትን ትዕቢትን ኣላትኩም? ይቕሬታ ነዚ ከሳሲነት ዘስምዕ ቃንናይ።

ነቲ ጽቡቕ መልእኽቲ ዘራስሕን ልኡኽ ሓሊቦ ዝገብሮን፡ ዘየድሊ ቅመም ኢልኩም ወሲኽክምሉ ዘለኹም ጠቐነ፡ ዘቕሕርን፡ ዘተዓዛዝብን እዩሞ ተኣረምሉ በጃኹም።

ኩለን፡ ብሄራት ኢልኩም ትኣምኑለንን ዘይትኣምኑለን ሕብረተሰባት ኤረትርያ ዝተጋህሰ መሰለን ንምውሓስ ብዝማእመአን ተኣኪበን ክውደባን ክነጥፋን መሰል ኣለወን። ንባዕልኹም 9 ቢሄር ኢልኩም፡ ህላዌ ካልኦት ብሄራት (ኣብ ስነፍልጠት ዝተመርኮሰ፡ ብሄር ዝበሃል ብሓቂ እንተሎ፡ ማለተይ እየ) ዘይትፈልጡን፡ እሞ፡ መሰል ኣህዛበን ተረጊጹን ተጋሂሱን፡ እንዳ ተጨፍጨፋ ክነብራን ንከም ዋን ነሽን ዝመሰላ ተወሊደን ዓብየን ከድሕነአን፡ ክጽበያ፡ ኣይትጸበይወን። ኩለን ውድባትን፡ ግንባራትን, በርገሳውያን ማሕበራትን ግን ከመይ ኣብ ሓደ መኣዲ፡ መጽየን ቃልሰን ኣዕዚዘንን ኣስሚረንን ብሓባር ንሓባር ረብሓን ሰላምን ፍትሕን፡ መሰልን ንክሰርሓ እንተትሰርሑ ክንደይ ምጸበቐ!

ምትፍናንን ምክሳስን ምውንጃልን ዘየድሊ-ጎነጻዊ -ሓድሕድ ምውድዳር፡ ክሳኣራ እምበር፡ ፋይዳ የብሉን። ኣየናብርን እውን።

ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት፡ ለባማት ኢኹም እሞ፡ ሕሰብሉ።

ሓሳበይ ቅድሚ ምዝዛመይ፡ ገለ ርእይቶይ ኣብ ምፍሳስ፡ ዝኾነ ጌጋ እንተሎ ክእረም ቁርብ እየ። ነቲ በጨቕ ኢሉ ዝኸደኒ ስሚዒታዊ ዘረባታት እውን ብትሕትና ይቕሬታ እሓትት። ናይ ፊደላት ጌጋታትምስ ዝርከብ እንዳ ኣረምኩም ንበብዎ።

ምስ ልዑል ኣኽብሮት

by Dr. Abdu Khalifa

Jan 26-2019

Top
We use cookies to improve our website. More details…