መግለጺ ሓዘን ካብ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ

Print

መግለጺ ሓዘን ካብ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ


እዚ ኣብ መዳይ ዘመናውን ሃይማኖታውን ትምህርትን ፍልጠትን ክቱር እምነት ዝነበሮ፡ እቲ ፍልጠቱን እምነቱ ንማንም ኣካል ሕብረተብ ንምብጻሕ ብምትላም ብተወፋይነት ኣብ መድረኻት ናይ መሳጊድ ፡መጃልስን ፡ካሴታት ሲዲታትን ጥራይ ከይ ኣክል ኣብ ኣፍሪቃ ቲቪን ካለኦት ማዕከናትን ዝተፈላለየ መሃርቲ መደባት ብምድላው ብብዙሕ ቛንቃታት ንህዝቢ ዘርብሕ ትምህትታት ብምሃብ ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝተቓለሰን ሩኡይ ውጺትን ዝረኸበን ዕዉት መራሒ ሃይማኖት ኢዩ ኔይሩ፡፡


ብኻልእ ሸነኽ እውን ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዝገበሮ፡ ዝደገፎ ናይ ሃይማኖትን ዘመናውን መስተምሃሪ ኣብያተ ትምህርትን መሳጊድን፡ ንህላውነት ሕብረተሰብን ኣካውናን ማሕበረኮማት ኣብ ስደት ንምጥንኻርን ንምድጋፍን ግብረሰናያዊ ዕዮታቱ ናይ ድኻታትን ዘኽታማትን ዋልታ ብሙዃን ኣብ ሕብረተሰብና ልዑል ቦታን ታሪኽን ዝሓደገ ሸይኽ ኢብራሂም ስራጅ፡ ብግዚኡን ብጉልበቱን ( Volunteer) ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈለየ ኸይራት ዘገልገለ፡ ብፍልጠቱ ብትብዓትን ምሕደራዊ ክእለቱን ዝልለ ጅግና፡ መቀጸልታ ናይ ጹኑዓት ኣቦታትና ብሙዃን ትማል ብሕማም ምኽኒያት ሂወቱ ምሕላፉ ኸቢድ ሓዘን ይስመዓና ።

መርሑም ኣቦናን ኣያናን ሸይኽ ኢብራሂም ስራጅ ፣ ኩሉ እቲ ዘካየዶ ኣብነታዊ ተግባራት ሰባኣውነትን ኩሉ ተማሂሩ ኣብ ተግባር ክደግሞ እንዳተመነና እቲ ምእንቲ ቅዱስ ተግባር ዘካየዶ ኩሉ ቃልሲ ድማ ሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ ኣፍልጦ እንዳሃበ ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰ.ት.ኤ. ደጊምና ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ንደቁ፡ ንምሉኣት ስድራ ቤት ፣ንደረሳን ፡ንመሳርሕቱን ንኣፍሪቃ ቲቪን፡ ንኩሎም ብጾቱን ፈተውቱን ረቢ ኢማንን ሰብርን ይሃብኩም ፡ ጽንዓት ይሃብ ንብል። ንመርሑም ሸይኽ ኢብራሂም ስራጅ ድማ ጀነተል ፌርዶስ ክቕበሎ ንረቢ ዱዓና ነብጽሕ ።


ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ 04 ለካቲት 2020 

We use cookies to improve our website. More details…