ዓወትና ከነቃላጥፍ ሓባራዊ ስራሓትና ነዕዝዝ!!

Print

 

 

 

ዓወትና ከነቃላጥፍ ሓባራዊ ስራሓትና ነዕዝዝ!!


ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ወዮ ከም ዑንቅን ኣልማዝን ከቢሩ ዝነበረ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ሎሚ መዓስ’ኮን ይሞተልና ይኸውን ዝብል ጸሎትን ትጽቢትን ዝበዝሓሉ ህሞት በጺሕና ኣለና። እወ! ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እምበር ካብ መዓስ እዩ ዝመውት ኢልና ሞቱ ምጽባይ፡ መዓስ እዩ ዝቕየር ኢልና ካብኡ ዝሓይሽ ካልእ ወዲ ሃገር/ጓል ሃገር ክንደሊ ምሓሸ ኔሩ። ከምኡ ዝበለ ናይ ምርጫ ዕድል ስለ ዘይተረኽበን ኢሰያስ ባዕሉ ናይ ዕድመኡ ሙሉእ ፕረሲደንት ክኸውን ካብ መረጸን፡ ምስቲ ኣረመናዊ ተግባራቱ ተደሚሩ ሞቱ ምትምናይ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ ብዘይካ ውሑዳትን ውሱናትን ካድራት ህግደፍ፡ እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወርድ እቲ ዘይተርፍ ባህርያዊ ዕጫ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።


ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውሞኡ ክገልጽን ብምርጫ መሪሕነቱ ክቕይርን ዘይክእል ህዝቢ ካብዚ ንሪኦ ዘለና ባህግታት ወጻኢ ካልእ ክገብር ኢልካ ብዙሕ ትጽበዮ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ካብ ተጽዕኖ ናይቲ ስርዓት ነጻ ዝኾኑ ውድባትን ኣካላት ደንበ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ ለውጥን፡ ሞራል ህዝቢ ከለዓዕል ዝኽእል ሰውራውን ሓድነታውን ምንቅስቓሳት ከርእዩ እንተዝኽእሉ ባህርያዊ ለውጢ ወይ ሞት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምጽባይ ለውጢ ናይ ምምጻእ ጉዳይ ኣብ ኢዶም ምኾነ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ለውጢ ኣበየናይ እዋን ከምዝመጽእን እንታይ ዓይነት ለውጢ ክኾነሎም ከምዝደልዩን ባዕላቶም ወሰንቲ ክኾኑ ምኸኣሉ።


እቲ ጎዲሉ ዘሎ ናትና ናይ ደንበ ተቓውሞ ዕዮ ገዛ’ዩ እምበር እቲ ትማሊ ዓለም ሙሉእ ዘዛረበን ውሑዳት ዝዳረግዎ ተኣምራታዊ ጅግንነት ዝፈጸመን ህዝቢ ኤርትራ ሕጂውን ረብሓታቱ ከርእዮን ኣብ ቅኑዕ ዕላማ ከሰልፎ ዝኽእል ሓቀኛ ኣመራርሓ እንተዝረክብ እቲ ዝለመዶ ጅግንነት ክደግሞ ኣይምጸገሞን። ዓወት ደንበ ተቓውሞን ዕንወት ሰርዓት ህግደፍን ሕጂ ዓቐብ ኮይኑ ይረኣየናን ይስመዓናን ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ’ዩ። እዚ ግን ብዓቕምና ክንገብሮ እናኸኣልና ዘይምግባርና ኣብ ኢድና ዘሎ እናዘረና ንኸይድ ስለ ዘለና ጥራሕ’ዩ። ርሑቕ መንገዲ ብሓደ ስጉሚ ይጅመር ከምዝበሃል፡ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብሓድነትን ሓቢርካ ምስርሕ ደንበ ተቓውሞን እዩ ዝጅመር። ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ሓሊኹና ዝጸንሐ ሕድሕድ ምትሕንዃልን ኣውዲቕካ ምሕላፍን ዓይነት ቃልሲ ወጺእና፡ ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ኣዎንታታት እናኣጉላሕና ክንከይድ እንተጀሚርና፡ እቲ ሓደ ዝጎድሎ እቲ ካልእ እናመላኣሉ ናይ ምኻድ ጭዋ ባህሊ እንተኣንጊስናን፡ ስርዓት ህግደፍ ክእለየልና ካብ ምትምናይ ወጺእና ባዕልና ክንኣልዮ ግዜ ክወስደልና ኣይኮነን።


በዚ ኣጋጣሚ ውድብና ኤስደለ ሎሚውን ከም ትማሊ ነዚ ዕላማዚ ክውን ክገብሩ ምስ ዝደልዩ ኣካላት ወጊኑ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከምዝደሊ እናገለጽና፡ ብሃይማኖትን ወገንን ካልእ ድሑርን ሕሱርን ኣጀንዳታት እናፈብረኹ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርጉ ዝፍትኑ ኩሎም ካብ ስርዓት ህግደፍ ፈሊና ክንሪኦም ከምዘይብልናን ካብ ሓዲድና ከዘናብሉና ከምዘይግባእን ከነዘኻኽር ንፈቱ።


ቃልሲ ውጹዓት ዘለዓለም ተዓዋታይ’ዩ
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ኤስደለ ሚያዝያ 2020 

We use cookies to improve our website. More details…